Saturday , April 20 2024

ኣልጀርያን ሰኔጋልን ናብ ፍጻሜ ዋንጫ ኣፍሪቃ !!

ሃገራውያን ጋንታታት ኣልጀርያ ን ሃገራዊት ጋንታ ናይጀርያን ኣብ መጨረሻ ደቂቅ ብዘመዝገበትታ ሸቶት 2 ብ 1 ብምስዓር ናብ ፍጻሜ ሰጊራ። ኣብ መበል 40 ደቂቅ ሪያድ ማህረዝ ካብ የማናይ ሸነኽ ናብ ልዳት ናይጀርያ ዝለኣኻ ኲዕሶ፡ ተኻላኻላይ ናይጀርያ ኢኮንግ ብጌጋ ናብ ገዛእ ልዳቱ ብምእታው ኣልጀርያ ሓደ ብ ባዶ መሪሐ ንዕረፍቲ ኣምሪሐን።

ድሕሪ ዕረፍቲ ብ ቫር ተሓጊዛ  ኣብ መበል 69 ደቂቅ ተኻላኻላይ ኣልጀርያ ኣይሳ ማንዲ ኣብ ክሊ ፍጹም ቅላዕ ኲዕሶ ብኢዱ ብምትንካፉ ናይጀርያ ፍጹም ቅላዕ ረኺቦም ኢጋሎ ቀሊዑ ብምምዝጋብ ማዕረ ሓደ ብ ሓደ ብሙኻን  ብዝሒ ሸትኡ ናይ 4 ክብ ብምባል ኣብ ምምራሕ ይርከብ።

ምዱብ 90 ደቂቅ ተዛዚሙ ኣብ ዝተዋህበ 6 ተወሳኺ ደቃይቅ፡ ናብ ተወሳኺ ግዜ ከምርሓ እየን እናተባህለ ኣብ መበል 95 ደቂቅ ብሉጽ ተጻዋታይ ናይቲ ግጥም ሪያድ ማህረዝ ነታ ዝረኸብዋ ነጻ ቅላዕ ናብ ሸቶ ብምቕያሩ ሃገሩ ኣልጀርያ ናይ 2 ብ 1 ዓወት ብምምዝጋብ ናብ ፍጻመ ዘሊላ።

በዚ መሰረት ኣልጀሪያ ዓርቢ 19 ሓምለ ምስ ን ሃገራዊት ጋንታ ቱንዚያ ዝሰዓርት ሰኔጋልን  ናይ ፍጻመ ግጥመን ከካይዳ እየን። ከምኡውን ሮቡዕ 17 ሓምለ ኣብ ፍርቂ ፍጻመ ዝተሳዕራ ናይጀርያን ቱኒዝያን ናይ ደረጃ ግጥማተን ከካይዳ እየን።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com