Thursday , April 18 2024

ኣሕምልቲ

ሓደ እኹል ሰብ ኣብ መዓልቲ 250 ግራም ኣሕምልቲ ክምገብ ይምከር። እዚ ድማ ዝተፈላለዩ ሕማማት ከም ናይ ልቢ ሕማም፡ ናይ ስብሒ ሕማማት፡መንሽሮ መዓንጣ፡ ከምኡ’ውን ሕማም ሽኮር ናይ ምሕማም ተኽእሎታት
የትሕቶ።
ሓደ ዝተወሰነ ዓይነት ሓምሊ ንኹሎም ካብ ኣሕምልቲ ዘድልዩና መኣዛታት ክህበና ኣይክእልን እዩ። ስለዚ ድማ ኣሕምልቲ እንዳቐያየርና ክንምገብ ይግበኣና። ብተወሳኺ ድም ኣሕምልቲ እንዳቐያየርና ምስ እንምገብ ክስልችወና
ኣይክእልን እዩ።

ብብዝሒ ኣሕምልቲ ንኽንምገብ ዝሕግዙና ምኽርታት1

-ኣብ ምሉእ መዓልቲ መቓቒልና ንመገቦም። እዚ ማለት ድማ ኣሕምልቲ ከም ጠዓሞት ወይ ድማ ከም ምሳሕን ከም ድራርን ክንምገቦም ንኽእል።
-ንኣብነት ኣብ ግዜ ቀትሪ ከም ጠዓሞት ዝኾነካ ዝተመተረ ፓፕሪካ ወይ ኮምኮመር ኣብ ልዕሊ ባኒ ወይ ድማ ኮሚደረ ወይ ካሮቲ ምሳኻ ክትማላእ ትኽእል።
-ከም ምሳሕ ድማ ሰላጣ ወይ ተወሳኺ ኣሕምልቲ ክትምገብ ትኽእል፣ ከም ኣብነት ኮምኮመር ወይ ኮሚደረ ምስ ባኒ ክትምገብ ይከኣል።
– ኣብ ግዜ ድራር ድማ ሰላጣ ከተዳሉ ይከኣል። ብዝተኻእለ መጠን እቲ ዝበዝሐ ክፋል ናይ መኣድኻ ኣሕምልቲ ክኸውን ጸዓር።
– እኹል ግዜ ምስ ዘይህልወና ድም ተመቲሩ ዝተዳለወ ኣሕምልቲ ተመራጺ እዩ። ዝበረደ ኣሕምልቲ ኣብ ፍርጅና ምስ ዝህሉ ድማ ምሳሕ ኮነ ድራር ኣብ ነዳልወሉ ግዜ ሓምሊ ኣይንስእንን። እዚ ድማ ናብ ድኳን ክንከይድ ግዜ ምስ
ዘይህልወና ይጠቕመና።
-ኣብ ጥርሙዝ ወይ ድማ ኣብ ታኒካ ዝዕሸጉ ኣሕምልቲ ውን ከም ኣማራጺ ክንጥቀመሎም ንኽእል ኢና። ሽኮር ወይ ድማ ጨው ዝተሓወሶ ከይከውን ድማ ነቲ ዝጸሓፍ ሓበሬታ ብግቡእ ምግንዛብ የድልይ።
-ኣገዳሲ ነጥቢ! ኣሕምልቲ ኩሉ ግዜ ኣብ ዋሕዚ ዘለዎ ማይ ጽቡቕ ጌርና ክንሓጽቦም ይግበኣና። 1

ምንጪ: Eritreeërs Gezond


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com