Thursday , April 25 2024
Anders Wiklund / TT

ኣምባሳደር ኢጣልያ ኣብ ሽወደን ንቴግኔል ይነቕፍ።

ኣምባሳደር ኢጣልያ ኣብ ሽወደን ነቲ ዋና ኣማኻሪ ሕማማት ለበዳ መንግስቲ ሽወደን ኣንደርስ ቲግኔል ኣብ ሬድዮ ሽወደን ዝገበሮ ቃለመጠይቕ ኣመልኪቱ ብትሪ ነቒፍዎ። “ኲሎም ካብ ዶባት ሃገርና ወጻኢ ዘለዉ ኣህዛብ ኣብ ጎድኒ ህዝብና ክኾኑ እዩ ዝግብኦም ኔሩ” ክብል እቲ ኣምባሳደር ጠቒሱ።፡ ኣምባሳደር ማርዮ ኮስፒቶ ቲግኔል ብ 24 ግንቦት ምስ P1 ንዝገበሮ ቃለመሕትት ብምንቃፍ ኣብ መርበብ ሓበሬታ እቲ ኤምባሲ ጽሑፉ ኣስፊሩ’ሎ። ኣብቲ ቃለ መጠይቕ ሽወደን ኣብ እዋን ለበዳ ኮሮና ዘርኣየቶ ክንክን ሽማግለታት ምስ ሃገረ ጣልያን እናወዳደረ ዝርዝር ሓበሬታ ምሃቡ ይፍለጥ።

እቲ ኣምባሳደር ንቃለ መጠይቕ ቲግኔል ኣብ ዝሃቦ መልሲ ክንክን ጥዕና ጣልያን ብውድብ ጥዕና ዓለም ዝተመስከረሉን ኣብ ካልኣይ ደረጃ ዝስራዕን ብሉጽ ምዃኑ፥ በታ ኣብ መበል 23 ደረጃ እትርከብ ሃገረ ሽወደን ክዝለፍ ዘይግባእ እዩ ድማ ኢሉ። “ሓፈሻዊ ዕድመ ዜጋታት ጣልያን 83.4 ዓመት እዩ፥ ብመንጽሩ ናይ ሽወደን 82.2 እዩ። ኣብ ጣልያን ኣብ 1000 ነባሮ 3.4% ጥራይ ክህልዉ እንከለዉ ኣብ ሽወደን ግና እቲ ቊጽሪ 2.2% እዩ” ክብል ኮስፒቶ ንጽጽራዊ መጐተኡ ኣቕሪቡ። ” ሃገራት ኣብ ክንዲ ናብ ምዝልላፍ ን ኢጣልያ ሓልዮትን ደገፍን ከርእያ እዩ ዝግብአን” ድማ ኢሉ። “እዚ ጸወታ ኲዕሶ ኣይኰነን። ገጒጅለኻ ሒዝካ እተጣቕዓሉ መድረኽ ኣይኮንናን ዘሎና። እዚ ንነፍሲ ወከፍና ዝትንክፍ ዓለማዊ ለበዳ እዩ” ክብል ድማ ንቴግኔል ብትሪ ነቒፍዎ። ኣምባሳደር ጣልያን ንቴግኔል ክዝልፎ እዚ ናይ ፈለማ ግዜኡ ኣይኮነን።

ኣቐዲሙ’ውን ቴግኔል ብ መጋቢት 11 ንኣገልግሎት ጥዕና ሽወደንን ጣልያንን ብምውድዳር ንዝሃቦ ጋዜጣዊ ዋዕላ ኣመልኪቱ ነቐፌታኡ ከም ዘውረደሉ ይዝከር እዩ። ኣምባሳደር ኢጣልያ ኣብ ሽወደን ነቲ ዋና ኣማኻሪ ሕማማት ለበዳ መንግስቲ ሽወደን ኣንደርስ ቲግኔል ኣብ ሬድዮ ሽወደን ዝገበሮ ቃለመጠይቕ ኣመልኪቱ ብትሪ ነቒፍዎ። “ኲሎም ካብ ዶባት ሃገርና ወጻኢ ዘለዉ ኣህዛብ ኣብ ጎድኒ ህዝብና ክኾኑ እዩ ዝግብኦም ኔሩ” ክብል እቲ ኣምባሳደር ጠቒሱ።፡ ኣምባሳደር ማርዮ ኮስፒቶ ቲግኔል ብ 24 ግንቦት ምስ P1 ንዝገበሮ ቃለመሕትት ብምንቃፍ ኣብ መርበብ ሓበሬታ እቲ ኤምባሲ ጽሑፉ ኣስፊሩ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com