Friday , April 26 2024

ኣርሰናል እታ ንግስቲ ዋንጫ ኤፍ ኤ ካብ

ትማሊ ምሸት ንበል 139 ግዚኡ ኣብ ዝተካይደ እቲ ብዕብየቱ ድሕሪ ፕሪመር ሊግ ብብዝሒ ተሳታፍነት ጋንታታ ኣስታት 400 ሙዃኑ እዩ ኣብ ቀዳማይ ደርጃ ዝስራዕ ውድድር ኤፍ ኤ ካብ ካብ ዝጅመር ኣትሒዙ፣ ክለብ ኣርሰናል ርእሰ ኩለን ጋንታ ጸብለል ብምባል ን14 ግዜ ነዛ ጽዋዕ ብምልዓል ንግስቲ እዚ ውድድር ኮይና ንረኽባ።

ብታሪኽ እዚ ውድድር ኤፍ ኤ ካብ ብዕድመ ካብቶም ዝገደሙ ውድድር ኮይኑ ካብ 1871 ዝጅምር ናይ 149 ዕድሜ ዘለዎ ኮይኑ፣ ክለብ ኣርሰናል ድማ ካብ 1930 ን ፈለማ ኢዳ ካብ ተንብረላ ስጋብ ትማሊ ምሸት ብክልተ ሽቶታት ፔር ኤምሪክ ኦባሚያንግ ተሓጊዛ 2 ብ 1 ኣብ ልዕሊ ቸልሲ ብምዕዋት ን መበል 14 ግዜ ብምልዓል ንግስቲ እዚ ውድድር ብሙዃን ክብረ ወሰን ናይዚ ውድድር ሒዛ። እዛ ብዘጋነርስ ትፍለጥ ጋንታ በዚ ዓወት ተሓጊዛ ተሳታፊት ውድድር ኤውሮጳዊ ሊግ ክትከውን እውን ከላ፣ ተሸላሚት 35 ሚልዮን ፓውንድ ክትከውን ኪኢላ እያ።

ኣብዚ ናይ ትማሊ ውድድር ኣሰልጣኒ ኣርተታ ናይ መጀመርያ ብ ደረጃ ሓለቓ ጋንታን ኣሰልጣኒን ብሙዃን ምስ እዛ ጋንታ ናይ መጀመርያ ነዛ ጽዋእ ዘልዓለ ክኸውን ከሎ፣ ማእከላይ ዳኛ ኣንቶንይ ተይለር ድሕሪ 119 ዓመት ን ክልተ ናይ ፍጻሜ ውድድር ኤፍ ኤ ካብ ዝዳነየ ኮይኑ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com