Saturday , April 20 2024

ኣብ ህንዲ ስርቂ ዝምህራ ኣብያተ ትምህርቲ ተረኺበን!!

 ኣብ ህንዲ ከመይ ጌርካ ከም እትሰርቕ፡ ሽጣራታት ስርቂ፡ ዓይነቶም፡ ኣገባባት ምትላል፡ ሜላታትን ምምራጽ ቦታን ግዜን ካልእን ዘምህራ ክልተ ኣብያተ ትምህርቲ ተረኺበን። እቶም መማህራን ኣቐዲሞም ሰረቕቲ ዝነበሩ’ሞ ብምኽንያት ዕድመ ንሞያ ስርቂ ዘቋረጽዎ’ዮም። እዚኦም፡ ኣብ ክንዲ ተናሲሖም ናብ ኣብያተ ጸሎቶም ዝመላለሱ፡ ኣብ’ዚ ሞያ ልዑል ፍቕሪ ስለ ዘለዎም’ዮም ተካእቲ ኣብ ምፍራይ ነዚ ቤት ትምህርቲ ከፊቶምዎ።

እቲ ዘገርም እቶም ብሰረቕቲ ጦቕ ዝበሉ በርጌስ ኣብ’ዚ ትምህርቲ ኮርሳት ብምውሳድ፡ ከመይ ገይሮም ካብ ሰረቕቲ ከም ዝከላኸሉ ብምምሃር ምምራቖም’ዩ። ካማሪ ሻሂድ፡ ፖሊስ ኣብ’ቲ ቤት ትምህርቲ ስርቂ ምስ ሃጀሙ ምስ’ቶም ዝተታሕዙ ተለኪሙ ዝኸደ’ዩ። ንሱ ሰራቒ ከም ዘይኰነ’ዩ ዝምጉት። ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ድማ፡ ኣቐዲሙ ኣብ ዝተቐራረበ እዋን 6 ሞባይላትን ካልእ ገንዘብን ብተደጋጋሚ ምስ ተሰርቆ፡ ብዛዕባ’ዚ ቤት/ትምህርቲ ስለ ዝሰምዐ፡ ኣገባብ ኣሰራርቓን ምክልኻልን ክማሃር ከም ዝወሰነ’ዩ ዝገልጽ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com