Tuesday , April 23 2024

ኣብ ምምሕዳር ስኮነ (Skåne) ፡ መጠን መልከፍቲ ኮሮና ብዘሻቕል ኩነታት ይውስኽ

ኣብ ደቡብ ሽወደን ፡ ምምሕዳር ስኮነ፡ ግዳያት ሕማም ኮቪድ-19፡ ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ እናወሰኹ ይኸዱ ምህላዎም ጸብጻባት በዓል መዚ ጥዕና ስኮነ ሓቢሩ። ብመሰረት እቲ ጸብጻብ፡ ማእከላይ ገምጋም ናይ መዓልታዊ  ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተለኽፉ፡ ካብ 55 ክሳብ 89 ሰባት ምዃኑ ገሊጹ።

ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ኣብ ምምሕዳር ስኮነ፡ ኣብ ኩሎም ክሊ ዕድመታት ይረአ ምህላዉን፡ እንተኾነ እቶም ኣብ ክሊ ዕድመ 20-29 ዘለዉ መንእሰያት ግን ብዝያዳ ዝረአ ዘሎ ኮይኑ፡ 25% ናይቲ ብዝሒ ዝሽፍኑ እዮም። ኣብ ክሊ ዕድመ 70ን ልዕሊኡ ዘለዉ ሰባት፡ ሰሙናዊ መጠን መልክፍቲ ኮሮና፡ ካብ 30 ክሳብ 38 ሰባት በጺሑ ከምዘሎ እቲ በዓል መዚ ሓቢሩ።  

እዚ ከምዚ ዝበለ መጠን ምስፍሕፋሕ ለበዳ፡ ብጣዕሚ ኣሰካፍን ኣሻቓልን እንዳኾነ ይመጽእ ብምህላዉ፡ ብወገንና፡ ጽዑቕ ምክትታል ንገብር ኣለና ክትብል ኣብ ምምሕዳር ስኮነ፡ ሓኪም ምክልኻል ለበዳ ኮሮና፡ ኢቫ ሚላንደር ገሊጻ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ መጠን ብዝሒ መርመራ ኮሮና እናወሰኸ ይመጽእ እኳ እንተሃለወ፡ ነፍሲ ወከፍ ሰብ፡ ምኽርታት በዓል መዚ ጥዕና፡ ብቐጻሊ ንኽኽተል፡ ሚላንደር፡ ኣዘኻኺራ።  


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com