Thursday , March 28 2024

ኣብ ስቶክሆልም ናይ መበል 16 ክፍለ-ዘመን መርከብ ተረኺቡ።

ድሕሪ ናይ ሓደ ዓመት ኲዕታ ተመራመርቲ ስነጥንቲ ኣብ ስቶክሆልም ኣስከሬን ሓንቲ ዓባይ መርከብ ምርካቦም ተገሊጹ። ንኣስከሬን እታ መርከብ ዝመርመሩ ሳይንቲስት ሽወደን እዛ መርከብ ናይ 16 ክፍለዘመን እያ ኔራ ክብሉ ገሊጾም ኣለዉ። ዕንጸይቲ እታ መርከብ ብምምርማር ድማ ኣብ ሃልሲንግላን ዝተሃንጸት ከም ዝኾነት መደምደምታኦም ሂቦም ኣለዉ።

“ኣብ ውሽጢ እዛ መርከብ ሳናቲም፥ ስርሓት ካይላን ንእሽቶ ብካይላ እተሰርሐት ኲዕሶ ህጻንን ከም ዝረኸቡ ድማ ተመራማሪ ስነጥንቲ ፊሊፕ ቶኒማር ይገልጽ። ኣብ ዘመናዊ መዋእል ዝበዝሐ ክፋል ሽወደን ብማይ ዝተሸፈነ ምንባሩ ይፍለጥ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com