Thursday , April 18 2024

ኣብ ሽወደን፡ ምንቁልቋል መጠን ሽቕለት ኣልቦነት ይቕጽል

መጠን ሽቕለት ኣልቦነት ኣብ ሽወደን፡ ምንቁልቋሉ ይቕጽል ከምዘሎ ካብ ቤት ጽሕፈት ዕዮ ዝወጸ ሰሙናዊ ጸብጻብ ሓቢሩ ክብል መርበብ ሓበሬታ ተተ (TT) ኣመሓላሊፉ።

ኣብ ሽወደን፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ኣብ ቤት ጽሕፈት ዕዮ ዝተመዝገቡ፡ ሓደስቲ ስራሕ ኣልቦ ዝኾኑ ሰባት፡ ቁጽሮም 7865 ነይሩ። ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ሳምንታት፡ መጠን ሽቕለት ኣልቦነት ብተኸታታሊ ካብ 9.0% ናብ 8.9% ሕጂ ድማ 8.8% ምብጽሑን ምንቁልቋል የርኢ ከምዘሎን ጸብጻባት ቤት ጽሕፈት ዕዮ ይሕብሩ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ኣስታት 2269 ሰራሕተኛታት ካብ ስርሖም ክባረሩ ምዃኖም ተሓቢሮም።

ቁጠባ ሽወደን፡ ብሰንኪ ቅልውላው ለበዳ ኮሮና ተሃስዮ ምጽንሑን፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ድማ ምምሕያሽ የርኢ ስለዘሎ፡ ምንቁልቋል መጠን ሽቕለት ኣልቦነት ክረአ ክኢሉ ክብል ቤት ጽሕፈት ዕዮ ሓቢሩ።

ዕዳጋታት ስራሕ፡ ምምሕያሽ የርኢ ኣሎ። መጠን ሽቕለት ኣልቦነት ድማ ምውሳኽ ኣቋሪጹ። እዚ ኩሉ ተደማሚሩ፡ ብሩህ ዝኾነ ተስፋ የርእየና ኣሎ ክትብል ሓላፊት ጨንፈር ትንታነታት፡ ኣኒካ ሶንዲን፡ ገሊጻ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com