Friday , April 26 2024

ኣብ ሽወደን ዋጋ ነዳዲ ምውሳኹ ተገሊጹ።

ኣብ ልዕሊ መሳለጥያታት ነዳዲ ስዑድያ ድሕሪ ዝተኻየደ መጥቃዕቲታት ዋጋ ነዳዲ ኣብ ሽወደን ምውሳኹ ተገሊጹ። ዓበይቲ ኲባንያታት ነዳዲ ሽወደን ካብ ሎም ሰኑይ ጀሚረን ኣብ ሊትሮ ናይ 15 öre (ሰናቲም) ወሰኽ ምግባረንን፥ ዲዘል እውን ተመሳሳሊ ወሰኽ ምርኣዩን ይንገር ኣሎ።፡ ኣብ መዔደሊ ነዳዲ ሲ ሰርክል (C-Circle) ዋጋ 95 ኦክቴን ነዳዲ 15.53 ክሮነር፣ ሓደ ሊትሮ ዲዘል ከኣ 16.38 ክሮነር ይሽየጥ ኣሎ።

እዚ ናህሪ ዋጋ ዘግጥም ዘሎ ብ ሰንኪ ኣብ መሳለጥያትታ ነዳዲ ስዑድ ዓረብ ብሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ምንቅስቓስ ሑቲ የመን ናይ ቦምብ መጥቃዕቲ ምውራዱ እዩ። እዚ መጥቃዕቲ ኣብ ቀንዲ መዋፈሪ ነዳዲ ኣብቓቕ እውን ብምልካሙ እዩ ዋጋ ነዳዲ ዓለምና ወሰኽ ኣርእዩ ተባሂሉ’ሎ። ምንቅስቓስ ሑቲ ካብ ኢራን ሓገዝ ዝረክብ እንተኾይኑ ንግብረመልሲ ስዑድያ ኢራን ክትቃወሞ እያ ብምባል መጠንቀቕታ ሂባ’ላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com