Thursday , April 25 2024

ኣብ ትሮሌሄታን፡ ዝነበራ ቤት ትምህርታት፡ ዓሌታዊ ፍልልይ ንምውጋድ፡ ተዓጽየን

ብሰልፍታት ሶሻል ዲሞክራትና፡ ጸጋማይን ሚልዮፕርትየትን እትምራሕ፡ ምምሕዳር ትሮሌሄታን (Trollhättan)፡ ኣብቲ ምምሕዳር ዝረአ ዘሎ ዓሌታዊ ፍልልይ ንምውጋድ ብዝብል ዕላማ፡ ንገለ ኣብቲ ምምሕዳር ዝርከባ ቤት ትምህርታት ብምዕጻው፡ ነቶም ተማሃሮ፡ ኣብ ካልእ ቤት ትምህርታት ከምዝሕወሱ ገይራ። እዚ ውሳኔ ብስምምዕ ብዝሒ ድምጺ ኣባላት ቤት ጽሕፈት ሽማግለ እቲ ምምሕዳር ከምዝተመሓላለፈ ኣብ ዝተገብረ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ።

በዚ ውሳኔ ዝተጸልዋ፡ ቤት ትምህርቲ  ፌልሴጎርድ (Frälsegård)፡ ሽሮናን (Kronan) ኮይነን መጠን ወጻእተኛታት ተማሃሮ ኣብዘን ቤት ትምህርታት ልዑል ምንባሩ ዝፍለጥ እዩ።

ቤት ትምህርቲ ሽሮናን፡ ቅድሚ 5 ዓመታት ኣቢሉ፡ ብሓደ ኣኽራሪ መንእሰይ፡ ብሴፍ መጥቃዕቲ፡ ከምዘጋጠማን ከምሳዕቤኑ ድማ 3 ሰባት ከምዝተቐትሉ ይዝከር።

ምምሕዳር’ቲ ከባቢ፡ ካብዘን ዝተጠቕሳ ቤት ትምህርታት፡ 300 ተማሃሮ፡ ናብ ዝተፈላለያ ሓሙሽተ ቤት ትምህርታት ወዚዑ።

እዚ ብሬድዮ ሽወደን ዝተገብረ መጽናዕቲ፡ ዓሌታዊ ፍልልይ ኣብ መንጎ ተማሃሮ፡ እናዛየደ ይኸይድ ኣብ ዘሎ እዋን ይካየድ ከምዘሎ ገሊጹ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com