Thursday , April 18 2024
POOL New/TT

ኣብ ኣብያተ ዕዮ ጸጥታን ምክልኻልን ኢትዮጵያ ጃምላዊ ማእሰርቲ ተኻይዱ።  

ኣብ ትካላት ምክልኻልን ሃገራዊ ጸጥታን ኢትዮጵያ፣ ብዝተፈላለየ መዝነት ክሰርሑ ዝጸንሑ ሰባት ብክሲ ብልሽዉናን፣ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ንዝተጠርጠሩ ክሱሳት፣ ንምሓዝ ሰፊሕ ዘመተ ማእሰርቲ  ከምዝተኻየደ፣ ዋና ኣኽባር ሕጊ እታ ሃገር ሓቢሩ።

ብመሰረት እቲ መግለጺ ልዕሊ 36 ዝኾኑ ሰበስልጣን ምክልኻልን ጸጥታን ስልጣኖም ተጠቂሞም ሃብቲ ክዘምቱን ዘይሕጋዊ ሃብቲ ኸኻዕብቱ ጸኒሖም እዮም ንዝበሎምን ጥርጡራትን፣ ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት እታ ሃገር እትምራሓሉ ሕገ መንግስታዊ ኣሰራርሓ ብዘይፈቕዶ መገዲ፣ ምስቓይ ምዕማጽን እሱራትን ብዘይካ እዚ፣ ብትካላት ኣብያተ ፍርዲን ፍትሕን እታ ሃገር ዘይፍለጡ ስዉራን ኣብያተ ማእሰርቲን መሳቐይ ማእከላትን፣ ብምኽፋት ዜጋታት ከሳቕዩ ጸኒሖም እዮም ብምባል፣ እቲ ኣኽባር ሕጊ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዘእተዎም ሓቢሩ።

ዋና ኣኽባር ሕጊ ኢትዮጵያ ኣቶ ብርሃነ ጸጋየ፣ ነዚ ኣመልኪቱ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ከምዝበሎ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ብግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ብልሽዉናን ንዝጥርጠሩ ገበናት ንምምልላይ ኣስታት ሓሙሽተ ወርሒ ዝወሰደ ምርመራ ክካየድ ምጽንሑ ሓቢሩ።

ንመጥቃዕቲ ቦምብ ዕለት 16 ሰነ ኣመልኪቱ ካብ ጋዜጠኛታት ንዝቐረበሉ ሕቶ ክምልስ እንከሎ ” እቲ መጥቃዕቲ ብቐንዱ ብሓለፍቲ ስራሕ ትካል ሃገራዊ ጸጥታ እታ ሃገር፣ ዝተሃንደሰን ዝተዋደደን ከምዝኾነን፣ ነቶም ድሮ ተታሒዞም ዘሎዉ ተወለድቲ ኦሮሞ ዝኾኑ ጥርጡራት፣ ዘዋፈርዎም ቀንዲ ምኽንያት ከኣ፡ እቲ ቀዳማይ ምኒስተር ተወላዲ ኦሮሞ ስለዝኾነ፣ ብህዝቢ ኦሮሞ ተቐባልነት ከምዘይብሉ ንምምሳል ተባሂሉ ዝተገብረ ዉዲት ምዃኑ። ዉጽኢት መርመራ ኣረጋጊጹ እዩ። ’’ ኢሉ።

ዛጊት ጸብጻባት ኣረጋጊጾሞ ከምዘሎዉ፣ ኣብቲ ብዙሕ ሃብቲ እታ ሃገር ከምዘንቀሳቕስ ዝንገረሉ ወታሃደራዊ እንዱስትሪያላዊ ትካልን፣ ቤት ጽሕፈት ጸጥታን ክሰርሑ ዝጸንሑ፣ ነባራት ወታሃደራትን ስቪልን ሰበስልጣናት፣ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዝኣተዉን ድሮ እዉን ኣብ ቤት ፍርዲ ይቐርቡ ምህላዎም ተፈሊጡ ኣሎ።

 

 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com