Friday , April 19 2024

ኣብ ኦረብሮ እትርከብ መዋእለ ህጻናት፡ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮና ተዓጽያ

ኣብ ምምሕዳር ኦረብሮ እትርከብ፡ መዋእለ ህጻናት ኦስተሪንገን፡ ብሰንኪ ኣብ ልዕሊ ኣባላት’ታ መዋእለ ህጻናት ዘጋጠመ ርጉጽ መልከፍቲ ኮሮናን ዝተለኽፉ ክህልዉ ይኽእሉ እዮም ብዝብል ምኽንያት፡ እታ መዋእለ ህጻናት ማዕጾኣ ክትዓጹ ተገዲዳ ምህላዋ ሓቢሩ።

እታ ኣብ ኦስተር፡ ኦረብሮ፡ እትርከብ መዋእለ ህጻናት፡ ካብ ጽባሕ ሰሉስ ጀሚራ ክሳብ መጨረሽታ ናይዚ ሰሙን ኣብ ዘሎ ግዜ፡ ዕጹውቲ ክትከውን ምዃና ምምሕዳር እታ መዋእለ ህጻናት ወሲኑ።  

ቁጽሪ መምህራን ብምውሓዱን ካልኦት መምህራን ከነምጽእ ስለ ዘይንኽእልን ንህጻናትና ድማ ውሑስ ኣከባቢ ክንፈጥረሎም ግዴታና ስለ ዝኾነ፡ መዋእለ ህጻናት ምዕጻው ናይ መጨረሽታ ኣማራጺና ኮይኑ ኣሎ ክትብል ሓላፊት ምምሕዳር ኣብ ኦረብሮ ዝርከባ መዋእለ ህጻናት፡ ካትሪና ኣርክሃግ፡ ገሊጻ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com