Thursday , April 25 2024

ኣብ ከተማ ካልማር፡ ከም ቤት ማእሰርቲ ዘገልግል ሓድሽ ህንጻ ንኽስራሕ መደብ ተታሒዙ

በዓል መዚ ቤት ማእሰርቲ ሽወደን፡ ኣብ ከተማ ካልማር፡ ሓድሽ ህንጻ ቤት ማእሰርቲ ክሰርሕ መደብ ጌሩ ከምዘሎ ሚኒስተር ፍትሒ ሽወደን፡ ሞርጋን ዮሃንሶን፡ ኣብ ዝገበሮ ዑደት ሓቢሩ።

ምምሕዳር ከተማ ካልማር፡ ኣቐድም ኣቢሉ፡ ኣብ ደቡብ ካልማር፡ ኣብ ምዕራባዊ ሸነኽ ጎደና E22፡ ንቤት ማእሰርቲ ዝኸውን መሬት ከምዓደገ፡ ኣባል ቤት ጽሕፈት ሽማግለ’ታ ከተማ፡ ዮሃን ፒርሶን፡ ገሊጹ።

ሚኒስተር ፍትሒ ሽወደን፡ ሞርጋን ዮሃንሶን፡ ስለምንታይ እዚ ሓድሽ ህንጻ ኣብ ካልማር ንኽህነጽ ተመሪጹ፡ ንዝብል ሕቶ ኣብ ዝሃቦ መልሲ፡- ከተማ ካልማር፡ ካብ ሓምሳታት ናይ 19 ክፍለ ዘመን ጀሚራ፡ ኣብ ኣገልግሎት ቤት ማእሰርታት፡ ገዚፍ ተመክሮታት ነይርዋ። ከምኡ ድማ፡ ነዚ ህንጻ ንምህናጽ ዘኽእሉ ቀረብ ኣለዋ ክብል ንተሌቪዥን ሽወደን ገሊጹ።

እቲ ህንጻ፡ ን300 እሱራት ዘአንግድ ኮይኑ ኣብ 2027፡ ስርሑ ክጅምር እዩ።   


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com