Friday , April 26 2024

ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ሽወደን ገበናት ይስዕርር

ትማሊ ረቡዕ ምሸት፡ ኣብ ማእከል ከተማ ያቭለ፡ ድምጺ ቶኽሲ ድሕሪ ምስምዑ፡ ፖሊስ፡ ንኽልተ ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዘእተወ ሓቢሩ።
ትማሊ ለይቲ፡ ፖሊስ፡ ነዞም ክልተ ገበነኛታት መርመራ ከምዘካየደሎም ንTT ሓቢሩ። እዚ ዝተኸስተ ኣጋጣሚ፡ ካልኦት ኣርባዕተ ሰባት፡ ብገበናት ኣጽዋርን ሓደገኛ ናይ ናዕቢ ፍጻሜታትን ተኸሲሶም ኣብ መርመራ ኣብ ዘለውሉ እዋን ዝተኻየደ ምዃኑ ፖሊስ ሓቢሩ።
ብኻልእ ወገን፡ ኣብ ሰዓት 12፡37 ቅ.ቐ. ኣብ ከባቢ ቴኒስታ፡ ሓደ ኣብ ዕስራታት ዝዕድሚኡ መንእሰይ ኣብ ታሕተዋይ ክፋል ኣካላቱ ብጥይት ተሃሪሙ ከምዝጸንሐን ፖሊስ ሓቢሩ። ስዒቡ ድማ፡ ፖሊስ፡ ብሄሊኮፕተርን ኣኽላባትን ተሰንዩ ኣብቲ ከባቢ ፈተሻ ከምዘካየደ ገሊጹ።
ትማሊ ለይቲ፡ ኣብ ሰዓታት 11 ናይ ምሸት፡ ኣብ ትሪሊቦሪ፡ ቶኽሲ ከምዝተሰምዐን፡ ፖሊስ፡ ኣብቲ ከባቢ መጺኡ ግዳያት ናይቲ ፍጻሜ ከምዘይረኸበ ምሕባሩ ተፈሊጡ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com