Friday , April 19 2024
FOTO: GÖTEBORGS UNIVERSITET

ኣዝዩ ሓደገኛ ዓሌት መለግለጋይ ዓሳ ( ጀሊፊሽ) ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ሽወደን ተራእዩ !!

እዚ ዓሌት መለግለጋይ ዓሳ መልመስቲን ምድኻም ህዋሳትን ከስዕብ ከም ዝኽእል ብምሕባር ሰባት ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ካብ ምሕንባስ ንግዚኡ ክቚጠቡ ተመራመርቲ ኣተሓሳሲቦም ኣለዉ። እንተኾነ እዚ መለግለጋይ ዓሳ መኣስ ካብቲ ቦታ ክእለ ምዃኑ ዛጊት ንጹር ግዜ ኣየቐመጡን ይብል ኣብ ዩኒቨርሲቲ ዮተበሪ ተመራማራይ ዓሳታት Thomas Dahlgren። ዝሓለፈ ዓመት እዚ ዓሳ ኣብ እተራእየሉ ገማግም ዝሓንበሱ ሰባት ኣብ ጥዕናኦም ከቢድ ሳዕቤናት ምውራዱ ተገሊጹ’ሎ። እዚ ዓይነት ዓሳ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ገማግም ሽወደን ከም ዘይነበረን ብሰንኪ ምውሳኽ ዋዒ ዓለምና ተገፊዑ ካብ ሰሜናዊ ፓሲፊካዊ ውቅያኖስ መጺኡ ክኸውን ከም ዝኽእል ይግመት። ብዓሌት ድማ ምስቶም መርዛማት መለግለግቲ ዓሳታት ከም ዝምደብ ተገሊጹ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com