Friday , April 26 2024
INDEPENDENT PICTURE SERVICE

ኣዲስ ኣበባ፡ ኩሎም ተምሃሮ መንግስታዊ ኣብያተ ትምህርቲ ‘ዲቪዛ’ ብነጻ ከም ዝዕደሉ ተገሊጹ

ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝርከባ ልዕሊ 400 መንግስታዊ ኣብያተ ትምህርቲ ዝመሃሩ ከባቢ 600 ሽሕ ተመሃሮ፡ ‘ዲቪዛ’ [ክዳን ተምሃሮ]፣ ደፍተርን ካልኦት ናውቲ ትምህርትን ብናጻ ከም ዝዕደሎም ምምሕዳር ናይታ ከተማ ኣፍሊጡ።

“ጽርየት ትምህርቲ ንምምሕያሽ ብምዕላም፡ ምክትል ከንቲባ ናይታ ከተማ ታከለ ኡማ (ኢንጂነር) ዘበገስዎ ሓሳብ’ዩ” ክትብል ናይ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ፕሬስ ሴክሬታሪ ፌቨን ተሾመ ንቢቢሲ ተዛሪባ።

ሸኽሚ ስድራ ናይቶም ኣብ መንግስታዊ ኣብያተ ትምህርቲ ዝመሃሩ ተመሃሮ ንምፍኳስን፡ ጸገሞም ንምክፋልን ብምሕሳብ ናብቲ ውሳነ ከም ዝተበጸሐ ሓቢራ።

በዚ መሰረት ምሉእ ወጻኢኡ ብምምሕዳር ከተማ ዝሽፈን ኣርባዕተ ዓይነት ዲቪዛ (ዩኒፎርም ተምሃሮ) ተዳልዩ ብነጻ ክዕደል’ዩ።

እዚ ድማ ንኣጸደ ህጻናት፣ ካብ ቀዳማይ ክሳብ ራብዓይ፣ ካብ ሓምሻይ ክሳብ ሻምናይ ከምኡ’ውን ንኻልኣይ ደረጃ ብዝብል ከም ዝተመቐለ እታ ፕረስ ሴክረታሪ ኣረዲኣ።

ፌቨን “ኣብዛ ከተማ ንዝርአ ዝተሓዋወሰ ክዳን ተምሃሮ ምዕሩይ ክኾን ንምግባር ዝሕግዝ’ዩ” ክትብል ገሊጻ።

እቲ ውሳነ ኣብ ካልኦት ሃገራት ንዘሎ ተሞክሮ መሰረት ዝገበረ ከም ዝኾነ’ውን ኣመልኪታ።

ተምሃሮ ነቶም ክዳውንቲ ንኽፈትውዎምን ሕጉሳት ኮይኖም ንክኽደንዎምን ምስ ማሕበር ዲዛይነራት ኢትዮጵያ ብሓባር ይስራሕ ምህላዉ ተፈሊጡ’ሎ።

“ቅድን ሕብርን ብምርጫ’ቶም ሰብ ሞያ ክኸውን ዝተወሰነ ምስቲ ግዜ ክኸይድ ዝኽእል ንክኸውን ብምሕሳብ’ዩ” ኢላ።

ነቲ ሓሳብ ግብራዊ ንምግባር ከኣ ክሳብ 300 ሚልዮን ብር ክወጽእ ከም ዝክእል ፌቨን ተዛሪባ።

ቢሮ ትምህርቲ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ምስ ወለዲ ዘተ የካይድ ዘሎ ኮይኑ፡ ኣብ ቅድን ሕብርን እቲ ዲቪዛ ዝወሃቡ ርእይቶታት ብምእካብ ዝበዝሕ ወላድን ተመሃሮን ዝሓረዮ ክኸውን’ዩ።

“ንኹሉ ስራሕ ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ወጊንና ንዝቕጽል [2012 ኣ.ኢ] ዘበነ ትምህርቲ ድልዉ ክኸውን ንሰርሕ ኣለና” ኢላ።

ምንጪ: bbc tigrinya


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com