Wednesday , April 24 2024

ኣገባብ ምጉሓፍ መድሃኒት

ፍልይ ዝበሉ ኣገባባት ወይ ሕግታት ምጉሓፍ መድሃኒት

ነፍሲ ወከፍ ሰብ ኣብ ገዝኡ ዝተረፉ መድሃኒት ወይ መዓልቶም ዘሕለፉ መድሃኒት ክህልዎ ይኽእል።ድሕርዚ ድማ ነዞም መድሃኒታት ንመዋእል ክንዕቕቦም ኣይትኽእልን ።መዓልቶም ዝሕለፉ መድሃኒታት ምጉሓፎም እቲ ዝበለጸ እዩ ። እንተኾነ ግን ብኸመይ ኣገባብ ንጉሕፎም? ኣብ ናይ ጉሓፍ እንእክበሉ ጎማ ወይስ ኣብ ባዞ ናይ ሽንት ቤት? እቲ መልሲ ኣይፋልናን እዩ ስለዚ ፍልይ ዝበሉ ናይ ምጉሓፍ መድሃኒት ሕጋጋትን ኣገባባትን ኣለዉ።

ተጓዳእቲ ባእታ
መድሃኒታት ንጡፍ ዝኾነ ንጥረ ነገራት ትሕዝቶ ኣለዎም።ብዙሓት ካብ መሰረታዊ ትሕዝቶ መድሃኒት ከኒናን ከምኡውን ሓርጭ(ፓውደር) ናይ መድሃኒት ኣዝዮም ተጓዳእቲ ባእታታት ክኾኑ ይኽእሉ ።
ነዞም መድሃኒት ኣብ ንቡር ዝኾነ እንጉሕፈሉ ጎማ ወይ ኣብ ሽንትቤት ምስ እንጉሕፎም መወዳእታ ጉዕዝኦም ኣብ ኣከባቢና ይጽንበሩ ።ንኣብነት ኣብ እንሰትየሉ ማይ ወይ ኣብ ከባቢና ዝርከብ ትሕቲ ባይታ (መሬት )


ከመይ ጌርና መድሃኒት ንጉሕፎም?
መዓልቶም ዘሕለፉ ወይ ዘይትጥቀመሎም መድሃኒት እንተድኣ ሃልዮሙና ልክዕ ከም ነኣሽቱ ከሚካላዊ ጉሓፍ ጌርና ንቁጸሮም ወይ ንርኣዮም ።ከምኡውን ባዕልኻ እትዕድጎም መድሃኒታት ከም መድሃኒት ናይ ጉንፋዕ ሽሮቦ ፡ ናይ ቅሓር ከኒና/ሲሩፕ ከምኡውን ከም ዝተፈላለዩ ቪታሚናት ትሕዝቶ ዘለዎም ትወሰኽቲ ትሕዝቶ መግቢ ኩሎም ብሓንሳብ ብምእካብ ሓደ ግዜ ናብ እትነብረሉ ምምሕዳር  ኣብ ጨንፈር ናይ ከሚካል ዝጎሓፈሉ ንቁጣ ኣረክቦ።
ኣብ ኸመንተ ከተረክቦ ምስ ዘይጥዕመካ ዝጎሓፉ መድሃኒታት ኣብ ፋርማሲ ብምኻድ ኣረክቦም ።በዚ ድማ ብቕኑዕ መንገዲ/ኣገባብ ከምዝዓነዉ የረጋግጹልና።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com