Friday , March 29 2024

ኣገደስቲ ጥቕስታት ሂወት!!

* ካብ ኣብ ዓወት ኣብ ውድቀት ኢኻ ዝያዳ ትመሃር።

* ውድቀት፡ መሳልል ዓወት’ያ።

* ብዝሓለፉ ክስተታት ፈጺምካ ከተስተንትን ኣይትንበር። ክምለሱ ስለዘይክእሉ። ብዝመጽኡ’ውን ፈጺምካ ኣይትጨነቕ። ከጋጥሙ’ውን ስለዘይክእሉ። ብዝተኻእለካ ኣብ ህሉው ንበር ንሂወትካ ኣብ ምምቃራን ምጽባቓን ከኣ ከይተሓለልካ ጸዓር።

* እቶም ስቕ ኢሎም ዝርእዩ ፍጹም ኣይዕወቱን እዮም። ዕዉታት ከኣ ብኣንጻሩ ዓወት ኣይቋርጹን።

* እቶም ሓቀኛ ሃብታማት ዝብሃሉ፡ እቶም ብዘለዎም ሕጉሳትን ተመስገን በሃልትን እዮም።

* ኣብ ዕለታዊ ንጥፈታት ሂወትካ እተጣዕሰካ መዓልቲ ፈጺማ ክትህሉ የብላን። ምኽንያቱ ጽብቕቲ መዓልቲ ሓጎስን ባህታን ከተግዝመካ እንከላ፡ እታ ሕማቕ መዓልቲ ከኣ ካብ’ታ ጽብቕቲ እትህበካ ሓጎስ ንላዕሊ፡ ተመክሮ ስለ እተቕስመካ።

* ንተስፋ ሓንሳብን ንሓዋሩን ምረጻ። ንዝዀነ ነገር ከኣ ክትክእሎ ኢኻ።

*ኩሎም ኣብ ሂወት ዘጋጥሙ ኩነታት ግዝያውያን እዮም። ነገራት ጽቡቕ እንተደኣ ከይዶም ተዘናገዓሎም። ኣጋጣሚ ምስ ዘይሰልጡ ግና፡ ኣይትጨነቕ ምኽንያቱ ሽግራት ንዘልኣለም ስለዘይነበሩ። * ከይዘከርካ ሃብ ከይረሳዕካ ተቐበል።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com