Friday , April 19 2024
migrationsverket

ኣገዳሲ ሓበሬታ

ብ online ቆጸራ ምሓዝ ንግዚኡ ደው ከምዘበለ በዓል መዚ ኢሚግሬሽን ሓቢሩ።

በዓል መዚ ኢሚግሬሽን ዲጂታላዊ ናይ መወከሲ ብልሓት የዳሉ። ክሳብ መወዳእታ እዛ ዓመት ናብ 30 ሽሕ ዝጽግዑ ሰባት ብ ዲጂታላዊ ናይ መወከሲ ብልሓታት ግዜያዊ ፍቓድ መንበሪኦም ከናውሑ ትጽቢት ተጌሩ’ሎ።

በዓል መዚ ኢሚግሬሽን ብመንገዲ መርበብ ሓበሬታኡ ኣቢሎም ኣመልከትቲ ብቐጥታ ብዲጂታላዊ ኣገባብ ሕቶኦም ዘቕርቡሉ ብልሓት እናዳለወ ይርከብ።

ኣብዚ ናይ መሰጋገሪ እዋናት ግና ሕቶኹም ብፓስጣ ክትልእኩ እትኽእሉ ኢኹም ብምባል እውን ሓበሬታኡ ኣንቢሩ’ሎ።

ክሳብ ሓምለ ነዚ ዲጂታላዊ ኣገባብ ኣብ ስራሕ ከነውዕሎ ኢና ክሳብ ሽዑ ብፓስጣ ስደዱልና ዝበለ ሓላፊ እዚ መስርሕ ኤክስቴንሽን Magnus Bengtsson እዩ።

ምንዋሕ ፍቓድ መንበሪ ንምሕታት መጀመርታ ናይ ሕቶ መልእኽቲ ምስዳድ ግዴታ ምዃኑ ድሕሪ ምምልካት ንገሊኣቶም ግና ብኣካል ናብ ቦርድ ኢሚግሬሽን ብምምጻእ ኣሰር ኣጻብዕን ስእልን ምርካብ ከም ዝሐተቱ ሓቢሩ።።

ኲሎም ሕቶኦም ብፓስጣ ዝሰደዱ ሰባት መልእኽቶም ከም ዝኣተወ ንምሕባር ሓጺር መልእኽቲ ክለኣኸሎም እዩ።

እዚ ሓድሽ ኣገባብ ኣብ ሽወደን ሕቶ መንበሪ ፍቓድ ንዘለዎምን ከመልክቱ ንዝደልዩን እዩ።

ብምኽንያት ዑቕባ ናይ መንበሪ ፍቓድ እተዋህቡ፡

ቅድሚ ሕጂ ንመቕርቦም ናይ ዕቚባ ሕቶ ኣመልኪቶም ግዜያዊ ፍቓድ መንበሪ ኣተዋህቡ፥

ናይ መንበሪ ፍቓዶም ከናውሑ ዝደልዩ ተመሃሮ ካልኣይ ደረጃ ኣብዚ ዝካተቱ እዮም።

ኲሎም በቲ ኣቐዲሙ ዝተዓጽወ ኣገባብ ኢ-ቡክ ዘመልከቱ በዚ ሓድሽ ኣገባብ ኣይጽለዉን እዮም። ግና ኣብቲ ዝተመደበሎም ግዜ ክርከቡ ትጽቢት ክግበረሎም እዩ።

ንዝያዳ ሓበሬታ መርበብ Migration Board ተወከሱ።

https://www.migrationsverket.se/Om-Migrationsverket/Pressrum/Nyhetsarkiv/Nyhetsarkiv-2019/2019-05-24-Migrationsverket-forbereder-for-digitala-forlangningsansokningar.html


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com