Saturday , April 20 2024

ኤርትራዊ ሽወደናዊ ሄኖግ ጎይቶም መበል 200 ጸወትኡ ምስ ክለብ ኣይኮ ጸንቢሉ !!

ኤርትራዊ ሽወደናዊ ሄኖግ ጎይቶም ማልያ ክለብ ኣይኮ (AIK) መልሱ ኣብ ዝገብሮ ጸወታ መበል 200 ግዜ ብምስላፍ ክለቡ ን ክለብ ፋልከንበርይ (Falkenberg) 2 ብ 0 ኣብ ሰዓረትሉ ብድምቀት ጸንቢልዎ። ብተወሳኺ ኣብዚ ግጥም ብ ክለቡ ዝተዳለወትሉ ፍሉይ 200 ዝብል ጹሑፍ ማልያ ተበርኪትሉ። ሄኖክ ኣብ’ዚ 200 ጸወታታት፡ 72 ኩዓሳሱ ምስ ሰኪዔት ከወሃሃድ ከሎ፡ 41 ሸቶታት ድማ፡ ቐረብ ጌሩ። ኣብዚ ብመዝነት ሓለቃ ጋንታ ኾይኑ  ዝመርሓ ዘሎ ክለቡ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ቻምፒዮን ክትከውን ከላ ኣብዚ ጀሚሩ ዘሎ ቻምፒዮን ክለባት ሽወደን ድማ ካብ 10 ግጥማት 20 ነጥቢ ኣዋህሊላ ብክለብ ማልሞ ብ ሓደ ነጥቢ ተመሪሓ ምስ ክለብ ሓይከን ብሸቶ ተበሊጻ ኣብ ሳልሳይ ደረጀ ትርኸብ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com