Friday , April 26 2024

ኤርትራዊ ሽወደናዊ ኣለክሳንደር ኢሳቅ ሎሚ ምስ ሃገራዊት ጋንታ ሽወደን ካብ መጀመርያ ከምዝስለፍ ተሓቢሩ!!

ኣብ ምድብ ሽወዓተ ዝተዳላደለት ሃገራዊት ጋንታ ሽወደን ሎሚ ሰዓት ካብ 20: 45 ብ ኣቖጻጽራ ሽወደን ናብ ደሴታት ፈርኦስ ተጋዒዛ ኣብ ትገብሮ ጸወታ ኣለክሳንደር ኢሳቅ ሓደ ካብቶም ቀዳሞት 11 ተስለፍቲ ሙዃኑ ኣሰልጣኒ እዛ ኣገራዊት ጋንታ ያነ ኣንደርሰን ገሊጹ።

እዚ ኣሰልጣኒ ካብ ቡዙሓት ጋዜጠኛታትን ተንተንቲ ሰፖርት ን ኣለክሳንደር ኢሳቅ ኣብ ጹቡቕ ቑመና ክንሱ እኩል ናይ ምስላፍ ግዜ ብ ዘይምሃቡ ክወቕስዎ ከምዝጸንሕዎ ይዝከር። እዚ ኣሰልጣኒ ኣብ ዝሓለፈ ግዜ ካብ 20 ደቓይቅ ዘየሓልፍ ግዜ ከምዝሃቦን ብ ኣንጻሩ ድማ ኣብተን ኣለክሳንደር ዝተጻወተለን ደቓይቕ ጸወታ ይቕይሮን ኣብ ረብሓ ሃገራዊት ጋንታ ሽወደን ክመልሶ ምስ ነርወይን ስጳኛን ከምዘመስከረ ይፍለጥ።

ኣብ ሽወደን ትረከቡ ኣፍቀርቲ ስፖርት ብ ቐጥታ ብ ተለቪዝን TV4 ከትከታተልዎ ከምትኽእሉ ብምሕባር ኣልኮፒስ ትግርኛ ን ኣለክሳንደር ኢሳቅን ሃገራዊት ጋንታ ሽወደንን ዓወት ንምነ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com