Tuesday , April 16 2024

ኤርትራዊ ናትናኤል ዝበለጸ ተቓላሳይ 10 መድረኽ ዙር ፈረንሳ 2019 ተባሂሉ!!

ኣብ ውድድር ቱር ዲ ፍራንስ 2019 መበል 10ይ መድረኽ ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ክለብ ኮፊድስ ዝበለጸ ተቀዳዳማይ ናይቲ ዕለት ብምዃን ደሚቁ ኣብ ፖድየም ደይቡ።

ኣብቲ ናይ ልዕሊ 217 ኪሜ ዝርሕቀቱ ውድድር ናትናኤል ምስ ካልኦት 6 ተቐዳደምቲ ብምዃን ካብ ፈለማ ብምህዳም ንነዊሕ ርሕቀት በይኖም ክጉዓዙ ከለዉ፡ ተዳልየን ዝነበራ ናይ ዓቀብ ኣብ ሰለስተ ቀዳማይ ብምእታው 7 ነጥቢ ብምውሳኽ ከሲቡ። ብድምር 20 ነጥቢ ብምውህላል ኣብ ውድድር ዓቀብ መበል 5ይ ደረጃ ተሰሪዑ ይርከብ።

ኣብቲ ናይ ሎሚ ውድድር ናትናኤል ዘርኣዮ ተወዳዳርነትን ብሉጽነትን ናይ 10ይ መድረኽ ዝበለጸ ተቀዳዳማይ ክኸውን ከሎ፡ ኣብ መወዳእታ ናህራ ዘዛየደት ዓባይ ጉጅለ ተኣኪባ ብምምጻእ ተቀዳዳማይ ክለብ ቪስማ ኣርት ቫን ዕዉት መድረኽ ኮይኑ። ኢጣልያዊ ቪቭያኒ ካልኣይ፡ ኢዋን ካሌብ ድማ ሳልሳይ ብምዃን ተሰሪዖም ውድድሮም ፈጺሞም። ምስ ሃዲማ ዝወዓለት ጉጅለ ብምዃን ክረባረብ ዝወዓለ ናቱ 9 ደቂቅን 41 ካልኢትን ድሒሩ መበል 90 ደረጃ ብምሓዝ ንውድድሩ ፈጺሙ።

ኣብ ውድድር ዓቀብ ቲም ዋለን ብ 43 ነጥቢ ክመርሖ ከሎ፡ ቶማስ ደ ገንት ብ6 ነጥቢ ድሖሩ ብ 37 ነጥቢ ካልኣይ፡ ኮይኑ ክስዕብ ከሎ ናትናኤል ብርሃነ ብ 20 ነጥቢ 5ይ ደረጃ ብምሓዝ ኣብ ዓቀብ ተወዳዳሪ ተቀዳዳማይ ብምዃን ንዝጽበዮም ሓያል መድረኻት ዘለዎ ውድድር ዓወት ንምነየሉ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com