Wednesday , May 1 2024
bbc / መዓስከር ሸገረኣብ

ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ሸገረኣብ ‘ንሕማማት ተቓሊዕና’ ይብሉ

ኣብ ምብራቕ ሱዳን መዓስከር ስደተኛታት ሸገረኣብ ተዓቝቦም ዘለው ኣስታት 5 ሽሕ ዝኾኑ ኤርትራውያን፡ ብስግኣት ጸጥታ፡ ሕጽረት መግብን ማይን፡ ኣገልግሎት ጥዕናን ይሳቐዩ ምህላዎም ንቢቢሲ ሓቢሮም።

እቶም ካብ ኤርትራ ውሕስነት ስኢኖም ከምዝተሰደዱ ዝገልጹ ስደተኛታት፡ ሓላፍነት ክወስድ ዝግበኦ ተጸዋዒ ጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ‘ዩኤንኤችሲኣር’ ኣቓልቦ ከምዝነፈጎም ብሳዕቤኑ ድማ ብተመሓላለፍቲ ሕማማትን ምምሕዳራዊ ጸገማትን ተሸጊሮም ምህላዎም ይገልጹ።

እዞም “ኣብ ኤርትራ ብዘሎ ምምሕዳራዊ ወጽዓ ኢና ተሰዲድና!” ዝብሉ ዜጋታት፡ ንህይወቶም ብዝፍትን ጉዕዞ ዶብ ሃገሮም ዝሰገሩ ኮይኖም፡ ቖልዑን ህጻናትን ዝሓዙ ስድራ-ቤታት መንእሰያት፡ ሽማግለታት ኣንስትን ሰብኡትን ይርከብዎም።

እቶም ስደተኛታት ኣብቲ መዓስከር ዑቕባ ምስ ሓተቱ፡ ተጸዋዒ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ከም ድስቲ ኩስኩስቲ ዝኣመሰለ ናውቲ ገዛን ኮቦርታን ክህቦም ትጽቢት እኳ እንተነበሮም፡ ቀረብ የብልናን ብምባል፡ ገሊኦም እቲ መባእታዊ ዝበሃል ሓገዝ’ኳ ከምዘይረኸቡ ይዛረቡ።

እዞም “ብምሒር ጸገም” ዝተማረሩ ስደተኛታት፡ ኣብ ሓንቲ 3 ብ 3 ሜትሮ ዝስፍሓታ ጸባብ ክፍሊ ክሳብ 25 ዝኾኑ ሰባት ተጸቓቒጦም ከም ዝድቅሱን፡ ብሰንኪ’ቲ ጽቕጥቅጥ ከኣ ብዙሓት ሰባት ብከም ዓባይ ሰዓል፡ ውጽኣት፡ ዓሶን ታይፎይድን ዝኣመሰሉ ሕማማት ተጠቒዐም ኣብ ሕማቕ ኩነታት ከምዘለው ኣረዲኦም።

ኣብ ርእሲኡ ከቢድ ሕጽረት ማይ ስለዘሎ፡ እቲ ንመነጻጽሂ ዝጥቀሙሉ ዓይኒ ምድሪ “ብሕማቕ ሽታ ከምዘየቕርብን” ናብ ዝኸፍአ ለበዳ ከየምጽኣሎም ስግኣቶም ከምዘለዎም ገሊጾም።

ኣብቲ ቦታ ንሓንቲ ጀሪካን ማይ ብ20 ፓውንድ ገንዘብ ሱዳን እናገዝኡ ስለዝጥቀሙ፡ ነቲ ዘለውዎ ኩነታት ዝያዳ ኣብኢሱዎ ከምዝርከብ ንቢቢሲ ተዛሪቦም።

ብዛዕባ ኩነታት ስደተኛታት ኣብ ሸገረኣብ ኣመልኪትና ንለዕለዋይ ተጸዋዒ ውድብ ስደተኛታት ኣብ ጀነቫን ሱዳን ኣብ ዝተወከስናሉ፡ መልሲ ክንረክብ ኣይከኣልናን።

እቲ ብተጸዋዒ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ዝወሃቦም መግቢ ጽርየት ዝጎድሎን ውሑድን ብምዃኑ ብዙሓት ቖልዑን ሽማግለታትን ብሕማም ይጥቅዑ ምህላዎምን፡ ኣብዚ እዋን እዚ ሕማም ታይፎይድ ወሪሩዎም ከምዘሎን ኣረዲኦም።

እቶም ስደተኛታት ሓገዝ ሕክምና ምስ ዝሓቱ፡ ኣብቲ ገንዘብ ዝኽፈሎ ሕክምና ንክኸዱ ከምዝንገሮምን ኣብቲ ናይ ናጻ ክሊኒክ እኹል ኣገልግሎትን መድሃኒትን ከምዘየለ ብምረት ይዛረቡ።

ይኹን እምበር እቶም ስደተኛታት ጥራሕ ኢዶም ዝተሰዱ፡ ምንም ኣታዊ ዘይብሎም ብምዃኖም ኣዝዮም ከምዝሸገሩ ሓቢሮም።

እተን ደቂ ኣንሰትዮ’ውን ንጾታዊ ጠለባተን ዘማልእ መንዲል ንጽህና ኮነ ካልእ ዝኾነ ዓይነት ሓገዛት ስለዘይረኽባን፡ “እቲ ዓይኒ ምድሪ ጽሬት ዘይብሉ ኣዝዩ ረሳሕን ጨናውን ብምዃኑ” የማርራ።

ብፍላይ ጥኑሳትን ሓራሳትን ከኣ ብዝያዳ ከምዝሽገራን ንጾታዊ ግህሰትን ስነ-ኣእምሮኣዊ ጸገማትን ተቃሊዓን ከም ዝርከባ ይዛረባ።እዞም ብፖሊቲካውን ቁጠባውን ሽግራት ካብ ኤርትራ ተገዲዶም ዝወጽኡ ስደተኛታት፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብቲ ቦታ እዋን ክራማት ብምዃኑ፡ እቲ ዝድቅስሉ ኣባይቲ ብነጠባ ማይ ስለዝጭቁ “ከም ደምበ ማል ክረምቲ በድኒ ከምዝሽትትን” ብደዎም ከምዝሓድሩን ሓቢሮም።

“ዘለናዮ ሃዋህው ናይ ብሓቂ ዘጨንቕ እዩ” ድማ ይብሉ ነቲ ዝነብሩዎ ሃለዋት ንምግላጽ እናተጸገሙ።

ብሰንኪ እዚ ድማ፡ እቶም ስደተኛታት ‘ኣብ ጽላል ሕቡራት ሃገራት ዲና ዘለና ወይስ ንበይንና ኢና?’ ክሳብ ዝብሉ ተደናጊሮም ምህላዎም ሓቢሮም።

እቶም ኣብቲ መዓስከር “ንስሙ” ንሓለዋ ተዋፊሮም ዘለው ሰባት፡ ገሊኦም ብኣዲኦም፡ ገሊኦም ብወላዲኦም ገለ ከኣ ብዓሌቶምን ዘርኦምን ክጸርፉዎም ከምዝውዕሉን ምንም ዓይነት መሰል ከምዘይብሎምን ተዛሪቦም።

ኣብቲ መዓስከር ንልዕሊ ሽዱሽተ ወርሒ ተቐሚጦም ዝኾነ መለለዩ ወረቐት ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከም ዘይረኸቡ ዝሓበሩ እቶም ስደተኛታት፡ ኣብቲ መዓስከር ጉቦ ሳዕሪሩ ብምህላው ግን እቶም ዘይተኣደነ ገንዘብ ዝኸፍሉ ኣብ ሓጺር መዓልታት ኣሳሊጦም ከም ዝኸዱ ብጭቡጥ ዝፈልጡዎ ነገር ከምዘለዎም ይዛረቡ።

ኣብ መወዳእታ እቶም ስደተኛታት፡ ላዕለዋይ ተጸዋዒ ስደተኛታትን ማሕበረ ሰብ ዓለምን ነዚ ወሪድዎም ዘሎ ሽግራትን ጸገማትን ርእዩ ድሃዮም ክገብርን ዝምልከቶ ኣካል ተራኡ ክጻወትን ተማሕጺኖም።

ምንጪ: bbc tigrinya


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com