Friday , March 29 2024

ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት ካብ ቤት ማእሰርቲ ሊብያ ወጺኦም

ሰብ መዚ ሊብያ፡ ስደተኛታት ካብቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብነፈርቲ ዝተደብደበን ኣብ ታጁራ ዝርከብን ቤት ማእሰርቲ ክወጽኡ ከምዘፍቀዱ ላዕለዋይ ኮምሽነር ጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ።

በቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኣየር፡ ልዕሊ 50 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ፤ እቲ መጥቃዕቲ ሓይልታት ጀነራል ከሊፋ ሃፍጣር እዮም ፈጺሞምዎ ተባሂሉ እዩ።

እንተኾነ፤ ሓይልታት ጄነራል ሃፍጣር ግን እቲ መጥቃዕቲ ብሓይልታት መንግስቲ እዩ ተፈጺሙ እዮም ዘብሉ።

ኣብቲ ኣብ ጥቓ ትሪፖሊ ዝርከብ ቤት ማእሰርቲ ታጁራ ዘለዉ መብዛሕተኦም ስደተኛታት፤ ካብ ኤርትራ፣ ኢትዮጵያ፣ ሶማልን ሱዳንን ዝመጽኡ ምዃኖም ይግለጽ።

ድሕሪ እቲ ደብዳብ፤ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ዝተረፉ ስደተኛታት፡ ካልእ መጥቃዕቲ ክበጽሖም ከምዝኽእል ክሰግኡ እዮም ጸኒሖም።

ዩኤንኤችሲኣር ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፤ ሕዚ እቶም ዝተረፉ ኣስታት 310 ስደተኛታት ናብ ካልእ ቦታ ከምዝገዓዙ ኣፍሊጡ’ሎ።

እቲ ትካል ከምዝበሎ፤ እቶም ትማሊ ሰሉስ ካብቲ ቤት ማእሰርቲ ክእወጽኡ ዝተፈቐደሎም 260 ሰባት፤ ከምድላዮም ከወጽኡን ክኣትዉን ናብ ዝኽእልሉ ክፉት መዕቆቢ እዮም ክኣትዉ።

እቶም ዝተረፉ ኣስታት 55 ዝኾኑን “ንሓደጋ ዝተቓልዑ ስደተኛታት” ተባሂሎም ዝተፈለዩን ከኣ ሎሚ ረቡዕ ናብ ሳልሳይ ሃገር ክሰግርሉ ናብ ዝኽእሉ መበገሲ ቦታ ክወሰዱ ምዃኖም ሓቢሩ።

ምንጪ: bbc tigrinya


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com