Friday , March 29 2024

ኤጀንሲ ምእካብ ልቓሕ፡ ንገበነኛታት ጥይት ዘይበስዖ ክዳን ምሻጡ ተፈሊጡ

በዓልመዚ ክሮኖፎግደን ናብ ገበነኛታት ዝሸጦም፡ ጥይት ዘይበስዖም ልባስ፡ ቀደሙ ካብ ገበነኛታት እተረኽቡ ምንባሮም ኤኮት ዘውጽኦ ሓበሬታ ኣመልኪቱ። ፖሊስ፡ ነቲ በዓልመዚ ዝፈጸሞ ተግባር፡ ምኹናኑ ገሊጹ።
እዚ ካብ ገበነኛታት ዝተወስደ ጃኼት ንጽባሒቱ ድማ ኣብ ዕዳጋ ይረኽብዎ ኣለዉ” ክብል ኣወሃሃዲ ስርሒታት ፖሊስ ከተማ ዮተቦሪ፡ ማርኳ ኢክቫል፡ ብዛዕባዚ ጉዳይ ዘለዎ መረረ ገሊጹ።
ኤጀንሲ ልቓሓት እዚ ዝገብረሉ ምኽንያት፡ እቶም ገበነኛታት ብዕዳ ምስ ተታሕዙ፡ ንኣልባሳቶም ናብ ዕዳጋ ስለዘውርዶ ነዞም ኣልባሳት ዝገዝእዎም ድማ ኣብ ቀረባ ዓማውቲ ብገበን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝነበሩ ምዃኖም ድማ ተገሊጹ።
ኣብ ሽወደን ጥይት ዘይበስዖ ልባስ ምኽዳን ፍቑድ እዩ። በዚ ድማ ኢና ከይተሰከፍና ንዕዳጋ ኣውሪድናዮ ክብል ጠበቓ እቲ ኤጅንሲ፡ ዳንኤል ዳለንበሪ፡ ሓቢሩ።
እዞም ኣልባሳት ዘይንሸጦም እንተዄንና ምሓዞም እንታይ እዩ ክዓብሰልና፡ ክብል ድማ ንግቡእነት ተግባራት እቲ ኤጀንሲ ከመኻኒ ተራእዩ።
ኣብ ቀረባ ዓመታት፡ ኣጠቓቕማ ጥይት ዘይበስዖ ኣልባሳት ምውሳኹ ይፍለጥ። ማርኮስ ኤክፋል፡ እቲ ኤጀንሲ ኣብ ከምዚ ዝበለ ተግባራት ምውፋሩ ክወሓጠሉ ከም ዘይከኣለ ግና ኣይሓብአን። ጥይት ዘይበስዖ ክዳን ዝወድዩ ሰባት ወይ ኣብ ገበን ዝዋፈሩ ወይ ልዑል መጠን ጎነጽ ዝፈርሁ ሰባት ወይ’ውን ሓደጋ ንምውራድ ዝዳሎ ዘሎ ሰብ ክኸውን ይኽእል እዩ። ስለዚ ድማ ሓደ ኤጀንሲ መንግስቲ ከምዚ ዝኣመሰለ ልባስ ሃጊሩ ከብቅዕ መሊሱ ናብ ዕዳጋ ኣውሪዱ ክሸይጥ ምርኣይ ጊንጢ ተግባር እዩ። ድርብ መለክዒ እውን እዩ ክብል ዘረብኡ ዛዚሙ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com