Friday , March 29 2024

እቲ ዝነኣሰ ኣሰልጣኒ ክለብ ጀርመናዊት ኣርቢ ሌፕዝጉ ኣብ ቻምፒዮን ሊግ ኤውሮጳ ሓድሽ ክብረ ወሰናት ይሰብር።

ኣብ ትማሊ ምሸት ናይ ዙር 16 ግጥማት ቻምፒዮን ሊግ  ጀርመናዊት ክለብ  ኣርቢ ሌፕዝጉ ብ ብወዲ 33 ዓመት ኣሰልጣኒ ዩልያን ናግሊስማን ተመርሓ ኣብ ገዛእ ሜዳኣ ን ብቡልጽ ኣሰልጣኒ መሪኖ ትምራሕ ኢንግሊዛዊት ክለብ ቶተንሃም 1 ብ 0 ብምስዓር ምቑር ዓወት እመዝጊባ.  ክንዮ እዚ ዓመት ግን እዚ ወዲ 33 ዓመት መንእሰይ ኣሰልጣኒ እቲ ዝነኣሰ ኣሰልጣኒ ኣብ ቻምፒዮን ሊግ፡ እቲ ዝነኣሰ ኣብ ዙር 16 ዝበጽሔን እቲ ዝነኣሰ ኣሰልጣኒ ኣብ ዙር 16 ዝተዓወተን ብምኻን ክብርታት ክረክብ ኪኡሉ።

ቡዙሓት ተንተንቲ ስፖርት ከምዝብልዎ ዘለዉ ድማ እዚ ገና ኣብ ንእሱ ዕድሚኡ ነዛ ጀርመናዊት ክለብ  ኣብ ቡንድስሊጋ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ምስርዕኡን ን መሳትኡ ካብኡዝዓብዩን ተጻወቲ መርሑ ነዚ ደርጃ ብምጽሑ ገና ከሎ ብልሕነቱ ዘመስከረን ብዙሕ ክብርታት ክጎናጸፍ ሙኻኑን እዮም ዝሕብሩ።

ኣብ ካልእ ግጥም ናይዚ ምሸት ሕጂ ውን ኣትላንታ ብገፊሕ 4 ብ 1 ኣብ ልዕሊ ክለብ ቫለንስያ ብምዕዋታ ድሕሪ ክልተ ሰሙን ንዝካየድ ናይ መልሲ ጸወታ መልሲ ዝሃበትሉ ይመስል።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com