Friday , March 29 2024
Foto: SVT / montage

ፍልስጤማዊ ናብ ዩክሬን ክባረር በዓል መዚ ኢመግረሽን ሽወደን ይውስን።

በዓል መዚ ኢመግረሽን ሽወደን ስድራ ቤት ዓድል ሻት ኣብ ጒዳይ ምብራሮም ምስቲ በዓልመዚ ክተሓጋገዙ እዮም ኢሉ ስለዘይሓስብ ንዓመት ናብ ሸንገን ከይምለሱ እገዳ ኣንቢርሎም ኣሎ።

እቲ ጒዳይ ሕርብት ዝበሎ ዓድል ሻት ምስ SVT Vasternorrland ኣብ ዝገበሮ ዕላል ይግባይ ክንብል ኢና ኢሉ’ሎ።

ኣብ Resele ዝቕመጥ ቤተሰብ ሻት ንዑቕባ ዝኸውን እኹል ምኽንያት የብሎምን ኢዮም ተባሂሎም። ስለዚ ድማ ክባረሩ እዩ ተወሲንሎም።

እንተኾነ ግና ኣፈጻጸማ እቲ ምስጓግ ዓቢ ግድል ኮይኑ ቀጺሉ’ሎ። ዓድልን ሰለስተ ደቁን ፍልስጤማዊ ፓስፖርት ኣለዎም። ኣደ እቶም ቆልዑ Alina ዩክሬናዊት እያ።

ስለዚ ድማ በዓል መዚ ኢመግረሽን ሽወደን ናብታ ብ 2013 ዝጠንጠንዋ ፍልስጤም ዘይኮነ ናብ ዩክሬይን እዩ ክሰጐም ዝደሊ ዘሎ።

እንተኾነ ግና ዩክሬይን ድርብ ዜግነት ኣይትቕበልን እያ። ስለዚ ድማ በዓል መዚ ኢመግረሽን ሽወደን እቶም ቆልዑ ዜግነቶም ናብ ዩክሬን ክቕይሩ ናይ ወለዶም ፍቓድ ክትሓትት እያ።

እዚ ንባዕሉ ሒዝዎ ዝመጽእ ሽግር ኣሎ። ዓድል ናይ ዩክሬን መእተዊ ቪዛ የብሉን።

“ናብ ኤምባሲ እናተመላለስኩ ናይ ዩክሬን ቪዛ ክሓትት ጸኒሐ’ለኹ። እንተኾነ ግና ሕቶይ ዝተነጽገ ሓታቲ ዕቚባ ስለዝኾንኩ ሕቶይ ኣይተቐበልዎን። ኣብ ሽወደን ብዘይሕጊ ዝቕመጥ ዘለዂ ጌሮም እዮም ተረዲኦምኒ” ይብል ዓድል።

እቶም ስድራ ከይምለሱ እገዳ ተነቢርሎም ኣሎ። እዚ ማለት ኣብ ስርዓተ ሓበሬታ ሸንገን ብዝርዝር ተመዝጊቦም ኣለዉ ማለት እዩ።

እቲ እገዳ ክሳብ ዘሎ ድማ ኣብ ኣባል ሃገራት ሸንገን ክኣትዉ ኣይፍቀዶምን እዩ ማለት እዩ።

“ኣብዚ ካብ ዝመጽእ ኣትሒዘ በዓል መዚ ኢመግረሽን ሽወደን ዝሓተትኒ ኲሉ ኣማሊአ እየ። ሕጂ ዚግነትና ቀዪሮም ኣነ ክኣተዋ ናብ ዘይፍቀደለይ ሃገር ክሰጒና ይደልዩ’ለዉ። ቤተሰብና ፋሕ ክትብል እያ። ተሓባበሩና እምበር ናብ ዝደለናዮ ክነባርረኩም ኢና እዮም ዝብሉና ዘለዉ” ክብል ኣማሪሩ።

“ኣዚና ኢና ጒሂና ዘሎና። ቆልዑ ለይቲ ለይቲ ክብህርሩ ጀሚሮም ኣለዉ። እቲ ናትና ሻቕላ ከደቅሶም ኣይከኣለን…ዓዛብ እዩ” ይብል ዓድል። ሕጂ ድኣ እንታይ ትሓስብ? “ጠበቓ ኣማኺረ’ለኹ” ኣብ Resele ምስ በዓል መዚ ኢመግረሽን ሽወደን እትዓዪ Krestin Franzen በቲ ጒዳይ ምሒር ምብስጫዋ ተገሊጹ’ሎ።

በዓል መዚ ኢመግረሽን ሽወደን እዞም ሰባት ዜግነት ክቕይሩ ምሕታቱ ፍጹም ጠገለ ዘይብሉ ተግባር እዩ። ቤተሰቦም ፋሕ ንዘብል ውሳኔ ኣብ ምትግባር ክተሓባበርዎም ምጽባዮም ብሓቂ መስሓቄን እዩ ብምባል ነቲ ውሳኔ ዘሊፋቶ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com