Friday , March 29 2024

ኩባንያ ቦይንግ፡ ንሓንቲ 737 ማክስ ነፋሪት ሓድሽ ስም ሂቡ

ንመገዲ ኣየር ሪያንኤይር ዝተዳለወት ነፋሪት ቦይንግ 737 ማክስ ኣብ ናይ ቅድሚት ክፋላ [ኣፍንጫ] ዝተጽሓፈ ስያመ ሞዴል ተቐይሩ ተራእዩ።

እታ፡ ኩባንያ ቦይንግ ነፈርቲ ካብ ዘፍርየሉ ጋራዥ ወጺኣ ትረኣይ ነፋሪት፡ 737 ማክስ ዝብል ስማ ብ737-8200 ከም ዝተተክአ ኣብ ትዊተር ዝተዘርግሑ ስእልታት የመልክቱ።

እዚ ከኣ እታ ፈተናታት ዝበዝሓ ማክስ፡ ብድሕሪ እቶም ዘጋጠምዋ ክልተ ከበድቲ ሓደጋታት ስማ ብምቕያር ናብ ዕዳጋ ንምቕራብ ከም ዝተሓሰበ ግምታት ይወሃቡ ኣለዉ።

ቦይንግን መገዲ ኣየር ሪያንኤይርን ግን ብዛዕባ’ዚ ዛጊት ርእይቶ ኣይሃቡን።

ብድሕሪ’ቶም ምኽንያት ሞት 346 ሰባት ዝኾኑ ክልተ ሓደጋታት ነፈርቲ መጓዓዝያ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያን ኢንዶነዢያን፡ ነፈርቲ 737 ማክስ ካብ በረራ ተኣጊደን ይርከባ።

ሪያንኤይር 135 ሞዴላት ቦይንግ ዝኾና ነፈርቲ ንምዕዳግ ኣዚዙ’ሎ። ካብዚአን ነተን ቀዳሞት ሓሙሽተ ኣብ ዝመጽእ ቀውዒ ክርከበን’ዩ።

ሪያንኤይር ኣዝዩ ብዝሓሰረ ዋጋ ኣገልግሎት ዝህብ ናይ ኣየርላንድ መገዲ ኣየር’ዩ።

ቀዲሙን ድሒሩን ዝነበረ ኩነታት ዘርእይ ናይ ሓንቲ ነፋሪት ርያንኤይር ስእልታት፡ ንመስርሕ ፍርያት ቦይንግ ኣብ ዝከታተል ‘ዉዲስ ኤሮ ኢሜጅስ’ ኣብ ዝተበሃለ ናይ ትዊተር ገጽ ተጠቂዑ’ሎ።

እቲ ስእሊ፡ ሓንቲ ዓባይ ስርሓት ቦይንግ 8 [ቦይንግ ኤይት] ነፋሪት ሪያንኤይር፡ ዋሺንግተን ኣብ ዝርከብ ቦይንግ ነፈርቲ ኣብ ዘፍርየሉ ቀጽሪ ኮፍ ኢላ የርእይ።

እቶም ስእልታት ከኣ፡ ነባር ስም ቦይንግ ክለግስ ተገይሩ ብሓድሽ ክትካእ ከም ዘርእዩ እቲ ኣብ ትዊተር ዝተጠቀዐ መልእኽቲ ይሕብር።

ምንጪ: bbc tigrinya


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com