Friday , March 29 2024

ኩባንያ Axfood፡ ግጉይ ምልክት ዝሓዘለ ብሽኮቲ ናብ ፋብሪካ ንኽምለስ ሓቢሩ

ንኸም በዓል Hemköp፡ Willys ን Tempo ን ዝኣመሰሉ ትካላት ዘከፋፍል ኩባንያ Axfood፡ ሓደ ካብ ዓይነታት ዘፍርዮም ብሽኾቲ፡ ቁጠዐ (ነድሪ) ከስዕብ ዝኽእል ኣብ ዝርዝር ትሕዝትኡ ዘይተጠቕሰ ባእታ ክህልዎ ከምዝኽእል ተሓቢሩ። እቲ ፍርያት፡ Eldorado’s chocolate flakes፡ ዝበሃል ኮይኑ ክሳብ ዕለት 17/01/2021 ዕድመ ዘለዎ እዩ።
እቲ ፍርያት፡ ከም በዓል ጸባ፡ ሉዝ (Almonds) ወይ ድማ ፍረ ሃይዘል (Hazelnut) ዝኣመሰሉ ባእታታት እንዳ ሃለዎ እንከሎ ኣብ ዝርዝር ትሕዝተኡ ከይተጠቕሱ ዝሓለፉ እዮም ክብል Axfood ኣብ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ።
ብሰንኪ እዚ ፍርያት፡ ዝኾነ ናይ ሕማም ጥርዓን ዝተቐበልናዮ የለን ክብል እቲ ኩባንያ ገሊጹ። ኩባንያ Axfood፡ ካብቲ ዝተጠቕሰ ፍርያት ዝሸመቱ ዓማዊሉ፡ ተቐላጢፎም ናብቲ ዝገዘእሉ ቦታ ንኽመልስዎ ብምዝኽኻር ዘውጽእዎ ገንዘብ ተመላሲ ክኽውን ምዃኑ ሓቢሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com