Friday , March 29 2024

ኩነታት ኣየር ቀውዒ ሽወደን ብ ከቢድ ዝናብን ንፈስን ዝተሰነየ ምዃኑ ይሕበር።

ብ መሰረት ሓቤሬታ ማእከል ኣገልግሎት ሜትሮሎጂ ሽወደን SMHI ኩነታት ኣየር ቀውዒ ኣብ ሽወደን ብ ፍላይ ኣብ ሰመናዊ ክፍል ብ ከቢድ ዝናብን ንፋስን ኣብ በረኽቲ ጎቦታት ድማ በረድ  ከምዝጀመረ ሓቢሩ።

ኣብ ገለ ከባቢታት 15 ዲግሪ ሰንቲግሬድ ዝበጽሕ ኩነታት ኣየር እዃ እንተሃለወ ዝበዝሕ ክፋል ሰሜንን ገለ ማእከላይ ክፋል ሽወደን ከቢድ ዝናብ ከምዘሎን ካብ ሎሚ ጀሚሩ ድማ ሓያል ንፋስ ክነፍስ ብሙዃኑ ኣብ መዳይ ትራንስፖርት ገለ እንቕፋታት ክኽሰት ከምዝኽእል እዚ ማእከል ይሕብር።

ብመሰረት ኪኢላ እዚ ዓውዲ  ሄሪክሪክ ሪምመር ኣብ ዝቕጽል ሰሙን ኣብ ሰከንድ ልዕሊ 21 ሜትሮ ዝሓይሉ ንፋስ ከምዝህሉ ሓቢሩ። ትራንስፖርት ባቡር ኣብ መንጎ ስትሮምስታድን ኡደቫላ ( Strömstad – Uddevalla )ብ ሰንኪ ከቢድ ዝናብን ንፋስ ክሰናኸል ከምዝኽእል እዚ ኪኢላ ወሲኹ ይሕብር። ዝተረፈ ደቡባዊ ክፋል ሽወደን ጽሓይ ክህሉ እብ ዝመጽእ መዓልታት ድማ ዝናብ ዝዓብለሎ ኩነታት ኣየር ከምዝህሉ እዚ ማእክለ ይትንበ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com