Tuesday , April 23 2024

ካልኣይ ማዕበል መልከፍቲ ኮሮና ንምክልኻል ኣብ ኣውሮፓ፡ ዝተረሩ ቀይድታት ይትግበሩ

በዓልመዚ ምቁጽጻር ለበዳ ኣውሮፓዊ ሕብረት፡ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣውሮፓ፡ ብኻልኣይ ማዕበል ለበዳ ኮሮና ትጥቃዕ ምህላዋ ብምምልካት፡ ነገራት ካብ ዝነበርዎ ክገዱ ከም ዝኽእሉ ገሊጹ።

ብርክት ዝበላ ሃገራት፡ ቀይድታት ኣብ ምትራር ተጸሚደን ብምህላወን፡ ብፍላይ ድማ ፖላንድን በልጄምን ዝተረረ ቀይድታት ወሲደን ምህላወን ኣገልግሎት ዜና TT ሓቢሩ።

መንግስቲ ፖላንድ ዛጊት ኣብ ኣብያተ መግቢ፡ ካብ ሓሙሽተ ሰባት ንላዕሊ ኮፍ ከይብሉ ምኽልካሉን ዕድሚኦም 70ን ልዕሊኡን ዝኾኑ ድማ ካብ ኣባይቶም ከይወጹን ብጥብቂ ይከታተል ምህላዉ ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር፡ ማቴዎስ ሞራዌኪ፡ ገሊጹ። ካብ ጽባሕ ጀሚሩ፡ እታ ሃገር፡ ቀይሕ ምልክት፡ ከምዝኾነት ጌሩ ክትውሰድ ምዃና እውን ወሲኹ ኣመልኪቱ።

ቆልዑ፡ ብዓበይቲ ጥራይ ተሰንዮም ካብ ቤቶም ክወጹን ትምህርቶም ብኦንላይን ክከታተሉን ይግበር ምህላዉ ድማ ገሊጹ። ናይዞም ቀይድታት ውጽኢት፡ ኣብ ዝመጻ ክልተ ሳምንታት ክዕቀን ምዃኑ ዛጊት ግና ብዘይካ እዚ ካልእ ክግበር ዝከኣል ኣገባብ ምክልኻል ከምዘይተወሰነ ሚኒስተር ጥዕና እታ ሃገር፡ ኣዳም ኒደስዘልስኪ፡ ይሕብር።

ብተዛማዲ፡ ቤልጁም፡ ስፖርታዊ ምርኢታትን ኣብ ኣዳራሻትን፡ ቁጽር ተሳተፍቲ ሰባት 200 ጥራይ ክኸውን ኣሚማ ትሰርሕ ኣላ። ብዘይካ’ዚ፡ ኣብያተ መግብታት፡ ካፈን ባራትን ተዓጽዩ ምህላዉ ተፈሊጡ ኣሎ።

ይኹንምበር፡ እቲ ኣብ ቤትካ ምጽናሕ ዘምጽኦ ቁጠባዊ ምንቁልቋል ንምጉዳል፡ ጻዕርታት ይካየዱ እኳ እንተሃለዉ ንምስፍሕፋሕ ለበዳ ናይዚ ቫይረስ ደው ከብል ዝኽእል ሕጊ የለን ድማ ኢሉ።

ኣብ ፈረንሳ፡ እቲ ቫይረስ ካብ ትጽቢት ንላዕሊ ይላበድ ምህላዉ፡ ኣማኻሪት ለበዳ’ቲ መንግስቲ፡ ኣትኖድ ፎንታኔት፡ ትሕብር። ምስቲ ቫይረስ ምቅላስ ከም ውድድር ማራቶን እዩ ዝኾነና ዘሎ ክትብል፡ ንመጠን እቲ ብድሆ ኣመልኪታ።

እዚ ቫይረስ ኣብ ዓበይቲ ጥራይ ዘይኮነ ዕድሜኦም ካብ 20-40 ኣብ ዘለዉ ሰባት ይዛይድ ምህላዉን ጽዑቕ ክንክን ዝጠልቡ ሕሙማት፡ ቁጽሮም እናዛየደ ይመጽእ ምህላዉን ድማ ተገሊጹ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com