Friday , March 29 2024

ካብቶም ዘጋጠሙ ዘለዉ ብዝሒ ነትጉታ ሽወዓተ ጥራይ እዩም ገበነኛታት ብምርኻቦም ኣተሓሳሰቢ ምዃኑ ይገለጽ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ልዕሊ 250 ነትጒ ኣጋጢሙ ነይሩ፡ እቶም ገበነኛታት ግን 7 ጥራይ ነይሮም ኣብ ዝሓለፈ ዓመተ 2019 ኣብ ሽወደን ዝተኻየደ ህዝቢ ናይ ምጥፋእ ስርሒታት (ነትጒ) ከም ዝወሰኸ ይዝከር። ይኹን እምበር ብኸምዚ ዓይነት ንጥፈታት ገበነኛታት ኮይኖም ዝተረኽቡ 7 ሰባት ጥራይ ከምዝነበሩ ሬድዮ Ekot ሓቢሩ። ብመሰርት ቤት ጽሕፈት ምክልኻል ገበናት ዘቅረቦ ጸብጻብ፡ ኣብ ዓመተ 2019 ቁጽሪ ናይ ምፍንጃር ፍጻሜታት 257 ከምዝነበረን እዚ ድማ ምስ ኣብ ዓመተ 2018 ዘጋጠሙ ፍጻሜታት ክነጻጸር እንከሎ፡ ብ59% ከም ዝወሰኸ ይሕብር።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብዝሒ ዘለዎም ናይ ምፍንጃር ፍጻሜታት እኳ እንተነበሩ፡ እቲ ከም መርትዖን ሓበሬታን ክኸውን ዝግባእ ዝነበረ ምስቲ ነትጒ ስለዝድምሰስ ወይ ዝጠፍእ፡ እዚ ድማ እኹል ሓበሬታ ብምእካብ ገበነኛታት ኣለሊኻ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከተእትዎም ኣሸጋሪ ከም ዝኸውን ይገብሮ። ስለዝኾነ ድማ ቁጸሪ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝኣተዉ ገበነኛታት ክውሕድ ከምዝኸኣለ ሓላፊት ሃገራዊ ምክልኻል ነቶግቲ፡ ማሪ ቦርግ፡ ንሬድዮ Ekot ሓቢራ።

እቶም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝኣተዉ ገበነኛታት፡ ሕሉፍ ናይ ዕጸ-ፋርስ፡ ስርቅን ምፍርራህን ካልእ ገበናትን ክሲ ዝነበሮም ምዃኖም ካብ Ekot ዝተረኽበ ገምግም ይሕብር። ብመሰረት ገምጋም ፖሊስ፡ ዝበዝሑ ናይ ምፍንጃር ተግባራት ንምቕታል ዝዓለሙ ከምዘይኮኑ እዮም ዝሕብሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com