Thursday , March 28 2024
bbc

ካብ ልምዲ ማውሪታንያ

ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ትርከብ ሃገረ ማውሪታንያ፡ ኣብ መርዓ ፍልይ ዝበለ ልምዲ እዩ ዘለዋ። ኣብዚ ሕብረተሰብ፡ እታ ዝገዘፈት ጓል ኣንስተይቲ እታ ዝያዳ ተመራጺት እያ። በዚ ምኽንያት ድማ ስድራቤታት ደቆም ሓሙሽተ ዓመት ክመልኣ እንከለዋ፡ ኣብ ግዜ ክረምቲ ኣብ ሓደ መግዘፊ መዓስከር’ዮም ዝሰዱወን። እዚ ልምዲ ‘ለብሎህ’ (leblouh) ተባሂሉ ይጽዋዕ። ኣብዚ መዓስከር እትኣቱ ጓል፡ ጠገለ ዘይብሉ መግቢ ክትበልዕ ኣለዋ። ሓደ ሓደ እዋን’ውን ተገዲዳ ትበልዕ እያ።

ኣብዚ መዓስከር ዝኣተወት ጓል ኣንስተይቲ ንመዓልቲ ኣስታት 16 ሽሕ ካሎሪ ከም እተህልኽ እዩ ዝግለጽ። እዚ ልምዲ ካብቲ፡ ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ብመጠን ዘለዋ ግዝፊ እያ፡ ልቢ በዓል ቤታ ክትሕዝ ትኽእል ዝብል ሓሳብ ዝመጸ እዩ። ብተወሳኺ ግዝፊ ናይዛ ጓል፡ ሃብቲ ናይ በዓል ቤታ ክገልጽ ከም ዝኽእል እዮም ዝሕብሩ። እቲ ዝሃብተመ ሰብኣይ እታ ዝገዘፈት ሰበይቲ ይረክብ። ሓደ ወዲ ተባዕታይ ዝምርዓወሉ ግዜ ምስ ኣኸለ፡ ምስ ስድራቤቱ ኰይኑ ጓል ይመርጽ። ኣብዚ ናይ ምምራጽ እዋን ድማ እታ ዝገዘፈት ጓል ኣንስተይቲ፡ እታ ዝያዳ ተጠላቢት ትኸውን።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com