Thursday , April 25 2024

ካብ ኣሰገጋድ ውሸባ ወለንታዊ ውሸባ ውጺኢታዊ እዩ ተባሂሉ ።

ካብ ኣስገዳድ ዘለዎ ውሸባ (ምዕጻው) ወለንታዊ ውሸባ(ምዕጻው )ዝያዳ ውጽኢታዊ እዩ ክብሉ ኪላታት ይገልጹ። ጣልይንን ስፔይንን ከምኡ ምግባረንን ፈረንሳን ጀርመንን እውን ከም ዝሰዓባአን ድማ ተገሊጹ። ሰብመዚ ጥዕናን መንግስትን ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ብውሕዱ ኣብዚ እዋንዚ ሽወደን ክትዕጾ ከም ዘይግባእ ኣመልኪቶም። ኣብያተ ትምህርቲ፥ ብዙሕ ሳዕቤን ዘይብሎም ንግዳዊ ትካላትን ምዕጻውን ሰባት ኣብ ኣባይቶም ክውሸቡን ዝብል ስጒምቲታት ኣድለይቲ ኣይነበሩን ድማ ኢሎም።

ኤጀንሲ ህዝባዊ ጥዕና ቃልሲ ኣንጻር ኮሮና ኣዋርሕ ክወስድ ከም ዝኽእልን ክትባት ክሳብ ዝመጽእ ዓመትን መንፈቕን ኣቢሉ ክወስድ ከም ዝኽእል ኣመልኪቶም ኣለዉ። በዚ ድማ ጽንክር ዝበለ ውሸባ ንነዊሕ ክቕጽል ይኽእል እዩ ዝብል እምነት ከም፡ዘይብሉ እቲ ሓበሬታ ብተወሳኺ ኣመልኪቱ። ኣብዚ እዋን ሰባት ብወለንታኦም ኣድላዪ እዩ ዝበልዎ ናይ ምክልኻል ስጒምቲታት ክወስዱን ምልባዕ እቲ ሕማም ኣብ ምጒዳል ክቃለሱን ጻውዒት ቀሪቡ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com