Thursday , April 18 2024

ካብ ኣዋጅ ወጻኢ ምንቅስቓስ ሽወደናውያን ምውሳዂ ተመልኪቱ።

ናይ ክልተ ሰዓት ደረት እኳ እንተተነብረሉ ምንቅስቓስ ሽወደናውያን ክውስኽ ከም እተራእየ ሓበሬታ Telia ኣመልኪቱ። ሓደጋ ለበዳ ኮሮና ኣብ ቦትኡ እኳ እንተሃለወ ብፍላይ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ሽወደናውያን ብብዝሒ ክንቀሳቐሱ ከም እተራእዩ ድማ ተገሊጹ። እዚ ዝበዝሐ ምንቅስቓስ ሰባት ኣብ ዌስትቡተንን ኖርቡቲንን እዩ ተራእዩ። እዚ ብዳታ ሞባይል ዝተዓቀበ ኣገባብ ምንቅስቓስ ከም ዘመልክቶ ምስ ምብራዕ እቲ ለበዳ ኣብ ወርሓ መጋቢትን ሚያዝያን ዋላኳ ምንካይ ተራእዩ እንተነበረ ናብ ቀረባ መዓልታት ግና ወሰኽ ኣርእዩ ምህላዉ ድማ ወሲኹ ገሊጹ። “እዚ ምስቲ ዝሓለፈ እንክወዳደር ዓብዪ ወሰኽ እዩ” ይብል ሓላፊ እቲ ምክትታል ዳታ ክሪስቶፈር ኡግረን።

“ሰባት ዝያዳ ክንቀሳቐሱን ሓጸርቲ ጒዕዞታት ከኣ ክውስዂን ተራእዮም ኣለዉ። እንተኾነ ግና ሕጂ’ውን ክሳብ ክልተ ሰዓት ዝኸውን ምጒዓዝ ኣይገደፉን ዘለዉ” ድማ ኢሉ። በዓልመዚ ህዝባዊ ጥዕና ዘየድሊ ውሽጣዊ ጒዕዞ ብመኪና ናብ ክልተ ሰዓታት ጥራይ ክድረት ወሲኑ እዩ። ብመሰረት ኣሃዛት ቴልያ ኣብ ስቶክሆልም ዘሎ ምንቅስቓስ ምስ ናይ ምፍላም ወርሒ ለካቲት ዝነበረ እንክወዳደር ብ 20% ዝወሓደ እዩ። ኣብ ቫስትራ ጉትላንድ ኸኣ ብ 7% ካብቲ ዝነበሮ ዝወሓደ ምዃኑ ተፈሊጡ። ብተመሳሳሊ ኣብ ዌስትቦርተንን ኖርቦርተንን ምስ ዝሓለፈ ሰሙን እንክወዳደር ብ 26% ዝወሓደ ምንባሩ ዝተመልከተ ኮይኑ ብሓፈሻዊ ድምር ኣብ መላእ ሽወደን ብ 13% ወሰኽ ኣርእዩ ምህላዉ ተመልኪቱ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com