Friday , April 26 2024

ካናዳ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ዓመታት ሓደ ሚልዮን ስደተኛታት ንምቕባል ዘኽእላ ፕሮግራም ምዝርጋሓ ተገሊጹ።

ሚኒስተር ኢሚግሬሽን ካናዳ ማርኮ መንደሲኖ እዩ ነዚ ውጥን ካናዳ ዕላዊ ጌሩ ዘሎ። ንሱ ብሰንኪ ምእራግ ወለዶን ትሑት መጠን ወሊድን ኣጋጢሙ ንዘሎ ናይ ሽቕለት ጋግ ንምምላእ እዚ ፕሮግራም ይዝርጋሕ ምህላዉ ድማ ገሊጹ’ሎ። እዚ ፕሮግራም መኣስ ከም ዝጅምር እኳ ኣይጠቐሰን።

መንግስቲ ካናዳ ብምኽንያት ጡረታ ኣብ 2030 ትሽዓተ ሚልዮን ዜጋታት ካብ ስራሕ ወጻኢ ክኾኑ እዮም ክብል ሓቢሩ’ሎ። ኣብ 2018 ካናዳ 310 ሽሕ ኣብ 2019 ከኣ 330 ሽሕ ስደተኛታት ምቕባላ ዝዝከር እዩ። ጠቕላላ ብዝሒ ህዝቢ ካናዳ 38 ሚልዮን ከም ዝበጽሕ ይፍለጥ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com