Thursday , April 25 2024

ክለብ ዩርጎደን ቻምፒዮን ኩዑሶ እግሪ ኣልስቫኒስካ ሽወደን ኮይና።

ዝሓለፈ ቀዳመ ሰንበት ብ ኣልስቫንስካ ዝፍለጥ ውድድር ኩዑሶ እግሪ ሽወደን መጋረጅኡ ኣብ ዝዓጸወሉ ብድራማቲካዊ ውጺኢት ካብ ከተማ ስቶኮልም ዝኾነት ክለብ ዩርጎደን ተዛዚሙ።

ናብ´ዚ ናይ መወዳእታ መዛዘሚ ግጥማት ኩለን ዓበይቲ ክለባት ተቀራራቢ ነጥቢ ብምውህላል ማለት ክለብ ዩርጎርደን 65 ነጥቢ ማልሞ ብ 62፣ ሃማርቢ ብ 62 ከምእውን ኣይኮ ብ 59 ነጥቢ ብምሓዝ እየን ልቢ ኣፍቀርቲ ኣንጠልጢሉ ብምቕናይ ኣብ መዛዘሚ ኣብ ዝተኻየደ ጸወታ ዩርጎርደን ካብ ድሕሪት ተበጊሳ ማለት 2 ብ 0 ብ ኖርሺቢንግ ተምሪሓ ዲሒራ 2 ብ 2 ብምፍልላይ ሓንቲ ነጥቢ ብምርካባ ነተን ዝስዕብኣ ዝነብራ ክለባት ኣኸቲላ ተዓዋቲት ኮይና። በዚ መሰረት ማልሞ ብ 65 ካልኣይቲ ሃማርቢ ብተመሳሳሊ ነጥቢ ብሸቶ ተበሊጻ ሳልሳይቲ ብ ሄኖግ ጎይትኦም እቲ ምራሕ ኣይኮ ብ 62 ራብዓይ ደረጃ ሒዘን ዛዚመን።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com