Friday , March 29 2024

ክልተ ሰባት ብዘይሕጋዊ ሚልዮናት ዝውውር ገንዘብ ይኽሰሱ።

ኣብ ወርሓ ጥቅምቲ ዝሓለፈ ዓመት ፖሊስ ብዛዕባ ኣብ ራግስቨድ ዝተራእየት መኪና ሓበሬታ ምርካቦምን ብምክትታል ኣብታ መኪና 2.4 ሚልዮን ጥረ ገንዘብ ምርካቦምን ገሊጾም ኣለዉ። ገሊኡ ካብዚ ጥረ ገንዘብ ኣብ ከባቢ ሓባሪ ፍጥነት እታ መኪና ከም እተረኽበን ገሊኡ ድማ ኣብ ሻንጣ ከም ዝጸንሐን ፖሊስ እታ ጣብያ ጀና ጀርንማርክ ገሊጹ።

እቲ ኣብቲ ገንዘብ እተረኽበ ኣሰር ኣጻብዕቲ ኣብ ደቡብ ሽውደን ናብ ዝርከብ ፖሊስ ከም ዝመርሖምን እቲ ሰብ ሕጂ ኣብ ማእሰርቲ ኣውራጃ ሱደርቱርን ንሸሞንተ ኣዋርሕ ከም ዝጸንሐን ተገሊጹ። ዘዋሪ እታ መኪና ንባዕሉ ንሓደ ዓመትን ሸሞንተ ኣዋርሕን ከም እተፈርደ ተፈሊጡ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com