Saturday , April 20 2024

ክሮኤሽያ ሽወደናውያን በጻሕቲ ክቕበል እየ ትብል።

ክሮኤሽያ ዶባታ ኣብ ዝኽፈተሉ እዋን ካብ መላእ ኣውሮጳዊ ሕብረት ዝመጹ በጻሕቲ ( እንተላይ ናይ ሽወደን) ከተአንግድ ድሌት ከም ዘለዋ ሓቢራ። ኲሎም በጻሕቲ ካብ ዓዶም ቅድሚ ምንቃሎም ኣቐዲሞም ዝሓዝእዎ ሆቴላትን ካልእ እንግዶትን ከመዝግቡን ድማ ኣተሓሳሲባ’ላ። ዜጋታት ኣውሮጳዊ ሕብረት ኣብ ክሮኤሽያ ዑደት ክገብሩ ይኽእሉ እዮም ዝበሃል ዘሎ ብዘይ ፍሉይ ስምምዕ እዘን ሃገራት እዩ። እቲ እንኮ ካብ ክሮኤሽያ ዝሕተት ረቛሒ ኣቐዲምካ ኣገልግሎታት ሓዚእካ ምጽናሕን ምስክር ወረቐት ውዕል ክራይን ዝኣመስለን ጥራይ እዩ። ብዝቕልጠፈ ኣፕሊኬሽንን መርበብ ሓበሬታን ከም ዝዳሎን ድሌት ዘለዎም በጻሕቲ ሰነዳውቶም ክጽዕኑ ክግበርን ምዃኑ ድማ ተፈሊጡ። “ዕላማ ናይዚ ኣሰራርሓ ብቐንዱ ኣብ ሃገርና መን ኣትዩ ኣበይከ ኣሎ ንምፍላጥ እዩ” ክብል ዳይረክተር ቱሪዝም እታ ሃገር ኣብ ስቶሆም ቨርዳን ሱሲክ ሓቢሩ።

ክሮኤሽያ ካብተን ዝወሓደ መጠን ለብዳ ዘመዝገባ ሃገራት ኣውሮጳ እያ። ካብ ኣርባዕተ ሚልዮን ህዝባ 100 ዝኾኑ ጥራይ ምሟቶም፥ እንተኾነ ግና ኣብ ሕጂ በጺሓ ቱሪስቲ ከአንግድ እየ ምባላ ብገለ ሸነኻት ሻቕሎት ምሕዳሩ ድማ ተገሊጹ። “ኣብ ሃገርና ነገራት ኣብ ደሓን ኲነታት ስለዘለዉ ንዝመጽእ ሽግራት ብቐሊሉ ክንቈጻጸሮ ከም እንክእል እምንቶ ኣሎና” ክብል ቨርዳን ሱሲክ ነዚ ሻቕላታት መልሲ ሂቡሉ’ሎ። ኣብ መንገዲ ኣየራት ዘሎ ዘይምርግጋእ ንጽላት ቱሪዝም ኣውሮጳ ከይሃስዮ ስግኣት ምህላዉ ዝፍለጥ ኮይኑ ሚኒስትሪ ጒዳያት ወጻኢ ሽወደን ክሳብ 15 ሓምለ ዜጋታቱ ዘየድሊ ጒዕዞ ካብ ምግባር ክቚጠቡ ኣተሓሳሲቡ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com