Friday , April 19 2024

ክሳራታት ኣገልግሎት ህዝባዊ መጓዓዝያ SL ዓቢ ክኸውን ከምዝኽእል ገምጋማት ይሕብሩ

ብሰንኪ ኣብዚ ዓመት ዝፍጸን ዘሎ መስርሕ ትኬት ከየቑረጽካ ኣገልግሎት ምርካብ (ምትላል)፡ በዓል መዚ ኣገልግሎት ህዝባዊ መጓዓዝያ ስቶክሆልም፡ ክሳብ 1.5 ቢልዮን ክሮን ክሳራታት ክወርዶ ከምዝኽእል ጸብጻባት’ቲ ቤት ጽሕፈት ይሕብሩ።

ኣብ ንቡር ኩነታት፡ መጠን ምትላል ክሳብ 3% ክኸውን እንከሎ፡ ብ270 ሚልዮን ክሮነር እዩ ዝግመት። ኣብዚ ዓመት’ዚ ግን፡ እቲ መጠን፡ 15% ብምብጽሑ፡ ዝተመዝገበ ክሳብ ድማ 1.35 ቢልዮን ክሮነር ኮይኑ ኣሎ ክብሉ እቶም ጸብጻባት ይሕብሩ።

ዝሓለፈ ዓመት፡ እታ ኩባንያ፡ ኣስታት 414 ሽሕ ናይ ትኬት ተፍትሽ ኣብ ዘካየደትሉ እዋን፡ 2500 መስርሕ ምትላል ከምዝረኸበት ክትሕብር እንከላ፡ ኣብዚ ዓመት ግን፡ 80 ሽሕ ናይ ትኬት ተፍትሽ ጥራይ’ኳ እንተካየደት፡3400 ዝኣክል መስርሕ ምትላል ከምዝረኸበት ትሕብር።

ኣብዚ ዓመት’ዚ፡ መጠን ክሳራታት ኣገልግሎት ህዝባዊ መጓዓዝያ ኣብ መላእ ሽወደን፡ ክሳብ 7.4 ቢልዮን ክበጽሕ ከምዝኽእል ማሕበር ምምሕዳራትን ዞባታትን ሽወደን ሓቢሩ።

ክሳብ መወዳእታ ናይዚ ዓመት፡ ብሰንኪ ቅልውላው ኮሮናን መስርሕ ምትላልን፡ መጠን ክሳራታት ኣገልግሎት ህዝባዊ መጓዓዝያ ኣብ ዮተቦሪ ክሳብ 1.1 ቢልዮን ክሮን፡ ኣብ ስኮና ክሳብ 1.2 ቢልዮን፡ ኣብ ስቶክሆሎም ድማ ክሳብ 3.6 ቢልዮን ክበጽሕ ከምዝኽእል ገምጋማት’ቲ ቤት ጽሕፈት ይሕብሩ።  

ክሳራታት ኣገልግሎት ህዝባዊ መጓዓዝያ ሽወደን፡ እንተድኣ ቐጺሉ፡ ኣብ ዝመጽእ ዓመት፡ ብዝሒ ኣገልግሎት ክጎድል ተኽእሎታት ኣሎ ክብል እቲ ቤት ጽሕፈት፡ ሓበሬታ ኣመሓላሊፉ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com