Friday , April 19 2024

ክኢላታት፡ ቁጠባ ሽወደን ከም እንደገና ዕብየት ከርኢ ክጅምር እዩ።

ብሰንኪ ቅልውላው ቫይረስ ኮሮና ዘንቆልቆለ ቁጠባ ሽወደን ከምእንደገና ዕብየት ከርኢ ክጅምር ተኽእሎታት ከምዘሎ ኣብ ባንክ ኖርድያ ዝርከቡ ተመራመርቲ (ክኢላታት) ቁጠባ ከምዝሓበሩ ሬድዮ ሽወደን ሓቢሩ። ብሰንኪ ቅልውላው ቫይረስ ኮሮና ቁጠባ ሽወደን ብ6% ከምዘንቆልቆለ ክኢላታት ቁጠባ ይሕብሩ። ብኻልእ ወገን፡ ቁጠባ ሽወደን ካብዚ በጺሕዎ ዘሎ ንታሕቲ ከንቆልቅል ከምዝኽእል ላዕለዋይ ክኢላ ቁጠባ’ቲ ባንክ ዝኾነት፡ ኣኒካ ቪንሰንት፡ ግምታታ ትገልጽ።

ስራሕ ኣቋሪጸን ዝጸንሓ ኩባንያታት፡ ኣብ ክረምቲ ስራሐን ክጅምራ ትጽቢት ተግይሩለን እኳ እንተነበረ፡ ስርሐን ንኸይጅምራ ጌና እቲ ሓደጋ የንጸላልወን ኣሎ። እዚ ማለት ድማ፡ እቶም ካብ ስራሕ ዕረፍቲ ተዋሂብዎም ዝጸንሑ ኣባላት፡ ስራሕ ኣልቦ ናይ ምዃን ሓደጋ የንጸላልዎም ኣሎ ማለት’ዩ ክትብል እታ ላዕለዋይ ክኢላ ቁጠባ ወሲኻ ገሊጻ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com