Saturday , April 20 2024

ክኢላ፡ ሽወደን ንኻልኣይ ግዜ ከጓንፋ ዝኽእል ዓቢ ዝኾነ ማዕበል ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ኣይክህሉን እዩ።

ሽወደን፡ ብመጠኑ ዝነኣሰ እንተዘይኮይኑ ንኻልኣይ ግዜ ከጓንፋ ዝኽእል ዓቢ ዝኾነ ማዕበል ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ኣይክህሉን እዩ ክትብል ኣብ ካሮሊኒስካ ሓላፊት ጨንፈር ጸረ ለበዳ ዝኾነት ሓኪም፡ ሱ ኣሊማን፡ ገምጋማታ ከምዝገለጸት SVT ሓቢሩ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ብዙሓት ሃገራት ዓለምና ነቲ ክጥቀማሉ ዝጸናሓ ናይ ምርጋጥ ኣገባብ የፍኩሳ ኣብ ዘለዋሉ እዋን፡ ንኻልኣይ ግዜ ብለበዳ ኮሮና ቫይረስ ንኸይጥቃዓ ኣብ ዓቢ ስግኣት ኣለዋ። እዘን ሃገራት እዚኣተን ንኻልኣይ ግዜ ዓቢ ዝኾነ ማዕበል ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ከጓንፈን ከምዝኽእል ኣሊማን ሓቢራ።

ኣብ ግዜ ክረምቲ፡ ጸሓይ ዝዓብለሎ ኩነታት ኣየር ስለዘሎ፡ ምትእኽኻብ ናይ ሰባት ክረአ ተኽእሎታት ኣሎ። ሕብረተ ሰብና ንናይ ምርሕሓቕ መምርሒ ብግቡእ ከተግብሮ እንተድኣ ክኢሉ ድማ ከጓንፈና ዝኽእል ዓቢ ዝኾነ ማዕበል ኮሮና ቫይረስ ኣይክህሉን እዩ ክትብል ኣሊማን ኣዘኻኺራ።

ሽወደን፡ ንኻልኣይ ግዜ ዓቢ ዝኾነ ማዕበል ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ክትጥቃዕ ተኽእሎታት ኣሎ ዝብል ኣረኣእያ፡ ካብቲ ኣብ ዝሓለፉ እዋና ኣጋጢሞም ዝነበሩ ናይ ኢንፍሉዌንዛ ተሞክሮታት ዝመንጨዉ እዩም። እንተኾነ፡ ኮሮና ቫይረስ ፍልይ ዝበለ ባህርያት ኣለዎ ክትብል መብርሂ ሂባ።

ሽወደን፡ ንኻልኣይ ግዜ ዓቢ ዝኾነ ማዕበል ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ከጓንፋ ዘሎ ተኽእሎታት ብጣዕሚ ዝተሓተ እዩ። ምኽንያቱ እቲ ዝነበረ ቀዳመይ ማዕበል ለበዳ ንዝበዝሑ ክፋላት ዘጠቓለለ ምንባሩ ኣማኻሪ ተማሓላለፍቲ ሕማማት ሽወደን፡ ኣንዲሽ ቲግኒል፡ ገሊጹ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com