Friday , April 26 2024

ክፍሊ ጸጥታ ሽወደን ሳቦ፡ ንጎነጽ ዘተባብዓ ውድባት ካብ መንግስትን ምምሕዳራት ሽወደን ሓገዛት ይረኽባ ከምዝለዋ ገሊጹ።

ብርክት ዝበላ ምስ ንጎነጽ ዝዕድማ ናይ ጥሩፍነት ኣተሓሳስባ ዘለወን ወገናት ርክብ ዘለወን ውድባት ካብ መንግስትን ምምሕዳራት ሽወደንን ገንዘባዊ ሓገዝ ይረኽባ ምህላወን ሽወደናዊ ናይ ስለያ መርበብ፡ ሳቦ፡ ሓቢሩ። ምስተን ምስ ጎነጽን ጥሩፍነትን ዝምድና ዘለወን ወገናት ርክብ ዘለዎም ኣብተን ገንዘባዊ ሓገዝ ዝረኽባ ውድባት ዝሰርሑ ሰባት ከምዘለዉ ሳቦ ኣብ ኤሌክትሮኒካዊ ጋዜጣዊ ሓበሬትኡ ገሊጹ። እቲ ቀንዲ ጉዳይ ምስቶም ነዘን ውድባት ከም መትከልን መዘርግሕን መድረኽ ናይ መልእኽቶም ጌሮም ዝጥቀሙለን ሰባት ዝተሓሓዝ ምዃኑ ኣካያዲ ስራሕ ፖሊስ ውሕስነት፡ ዮሃን ኦልሰን፡ ሓቢሩ።

እዚ ከምዚ ዓይነት ጥሕሰት ንኸይህሉ ድማ ነቶም ሓገዞም ዘወፍዩ ወገናት ዝሕግዙ ብሕጋውን ኣድማዕን ሰለማውን ዝኾኑ መንገድታት ሓገዞም ንኸይህቡ ወይ ድማ ንኽመልሱ ዘኽእሉ መንገድታት ክፍጠሩ ከምዝግባእ እቲ ኣካያዲ ስራሕ ብተወሳኺ ገሊጹ። እቲ ነዘን ከምዚአን ዝኣመሰላ ውድባት ዝወሃብ ሓገዝ ክትግምቶ ዘጸግም እኳ እንተኾነ ሚልዮናት ክሮነር ክበጽሕ ከም ዝኽእል’ዩ ሳቦ ዝሕብር።. የማናዊ ጎነጻዊ ጥሩፍነት፡ ጸጋማዊ ጎነጻዊ ጥሩፍነትን እስላማዊ ጎነጻዊ ኣከባቢ ዝኣመሰሉ ወገናት ንቤት ትምህርታት፡ ትካላት፡ ባህላውያን ማሕበራትን ውድባትን ከም ናይ መልእኽቶም መድረኻት ከምዝጥቀሙለን መርበብ ስለያ ሽወደን ኣመልኪቱ።

ገንዘባዊ ሓገዛት ምርካብ ማለት ነቲ ሕጋውነት ናይተን ውድባት ዝድርዕ ኣብ ርእሲ ምዃኑ ጥጡሕ ቁጠባዊ ሃዋሁ ብምፍጣር ኣብ ዕብየት ናይተን ጥሩፋዊ ኣተሓሳስባ ዝኽተላ ባእታታት ኣበርክቶ ከምዝገብር እቲ መርበብ ኣረጋጊጹ። ካብተን ዝተጠቕሳ ሰለስተ ናይ ጥሩፍነት ከባቢታት እታ ነዘን ከምዚ ዝኣመሰላ ውድባት ብዝያዳ እትጥቀመለን እታ ናይ እስላማዊ ጥሩፍነት እትኽተል ምዃና ኣባል ስለያ ሽወደን፡ ዮሃን ኦልሰን፡ ሓቢሩ። ዕላም ናይ ሳቦ ንሽወደንን ዲሞክራስያውነታን ንምክልኻል ምዃኑን ኦልሰን ኣረጋጊጹ። ካብ ዝሓለፉ ዓመታት ጀሚሩ፡ ፖሊስ ውሕስነት ነዚ ዕላማ ምርኩስ ብምግባር ምስ ካልኦት በዓል መዚ ብምሽራኽ ንዕብየት ጥሩፍነት ክገትእን ኣብ ከቢድን ቀጻልን ጻዕሪ ከምዝርከብ ኦልሰን ብተወሳኺ ሓቢሩ።

መግለጺ ናይ ሳቦ ቀጺሉ፡ ዕብየት ናይቶም ጥሩፋት ጉጅለታት ምእንቲ ከቋርጽ፡ ማሕበረ ሰብ ሽወደን ነዘን ከምዚ ዝኣመሰላ ውድባት ተባሂሉ ዝዋሃብ ገንዘባዊ ሓገዝ ክኽልክልን መንግስቲ ድማ ነቲ ንዲሞክራሲና ኣብ ምልክት ሕቶ ዘእቱ ናይ ጎነጻዊ ጥሩፍነት ምንቅስቓሳት ብተዘዋዋሪ መንገዲ ንኽይትምውሎ ከተስተባህል ከምዝግባእ ይሕብር። ሓደ ካብቲ ብመንገዲ ናይ ውሕስነት ፖሊስ ዝቐረቡ ምኽርታት፡ ንበዓል መዚ ዝሕግዙ ሓበሬታታት ዝእክብ ማእከል ክቐውም። እዚ ድማ ነተን ካብ መንግስቲ ኮነ ካብ ምምሕዳራት ገንዘባዊ ሓገዝ (ምወላ) ዝረኽባ፡ ንጥሩፍነትን ኣንጻር ዲሞክራሲ ንዝነጥፉ ወገናት ዝሕግዛ ውድባት ንምግምጋም ዝሕግዝ እዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com