Friday , April 19 2024

ወጻኢ ጉዳያት ሽወደን፡ ብዘይተደልየ ምኽንያት ናብ 4 ኤውሮፓውያን ሃገራት ንኸይግየሽ ይመክር

ወጻኢ ጉዳያት ሽወደን፡ ናብ ኢስቶንያ፡ ላትቪያ፡ ሊትወንያን ኣየርላንድን ብዘይተደልየ ምኽንያት ክሳብ 4 ሕዳር ዘሎ ግዜ ንኸይግየሽ ሎሚ ኣብ ዘካየዶ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ።

እዘን ሃገራት እዚኣተን፡ ንሽወደናውያን ገያሾ ዝምልከት ናይ ውሸባ መስርሕ ብዘይ ምቕያረን እዚ ውሳኔ ከም ተወስደ፡ ሓላፊት ጋዜጣዊ ኣገልግሎት ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት፡ ሳራ ብሪኒዳል፡ ገሊጻ።

ናብ ዝኾነ ሃገር ክትገይሽ እንተድኣ ደሊኻ፡ ብዛዕባ ናይታ ሃገር ናይ መገሻ ቀይድታትን ቅጥዕታትን ክትፈልጥ ክትክተልን ግዴታኻ እዩ ክብል፡ መግለጺ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ሽወደን ሓቢሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com