Friday , April 26 2024

ውህደት ብመንገዲ ሕርሻ

ካብ ሽወደን ወጻኢ ንዝመጹ ስደተኛታት፡ ምስ ሕብረተሰብ ሽወደን ንምምውህሃድ ንምኽኣል፡ ብሁስሆልኒንሱስኮፐት (Hushållningssällskapet) ዝምራሕ ብግሪን ኣረና (Green Arena) ዝፍለጥ ሓድሽ ፕሮጀክት ከምተበገሰ ሬድዮ ሽወደን ሓቢሩ።

ኣብዚ ፕሮጀክት፡ ኣብ መላእ ሽወደን ዝርከባ 12 ናይ ሕርሻ ቦታታት ከምዝተመደባ፡ ንስደተኛታት ድማ ናይ 8 ሳምንታት ናይ ስራሕ ዕድላት ክኸፍት እዩ።

እዚ ፕሮጀክት ብመሰረቱ፡ ነቶም ኣብ ደረጃ SFI ዘለዉ ሓደስቲ ወጻእተኛታት፡ ዕላማ ዝገበረ ኮይኑ፡ ቋንቋ ሽወደን ንኽመሃሩን ኣብ ዕዳጋታት ስራሕ ንኽኣትዉ ዕድል ዝፈጥርን እዩ ክትብል ሓላፊት ኣካል’ዚ ፕሮጀክት ዝኾነ ሕርሻ ሊንድቤርያ (Lindberga)፡ ኣና ሊና፡ ገሊጻ።

እቶም ወጻእተኛታት ዘካይድዎ ሕርሻዊ ንጥፈታት፡ ካብ ጸሃያይ ክሳብ መስርሕ ምክንኻን እንስሳ ዘጠቓልል ክትብል፡ ሊና፡ ንባህርያት ናይቶም ንጥፈታት ተንቲና።

ኣብዚ ዘሎ ናይ ስራሕ ኩነታት ብጣዕሚ ጽቡቕ፡ ባህርያዊ ኩነታት ድማ ሰሓቢን ኣብዚ ፕሮጀክት ብምስታፈይ ድማ ክገልጾ ዘይክእል ስምዒት እዩ ክብል ካብ ኤርትራ ዝመጸ፡ ኣቤል ሓድጉ፡ ገሊጹ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com