Friday , April 26 2024

ውርይቲ ሽወደናዊት ተቐዳዳሚት ብሕማም ኮቪድ ተታሒዛ።

ኣባል ሃገራዊ ጋንታ ሽወደን ዝኾነት ተቐዳዳሚት ጉያ እግሪ፡ ኢሊን ቪስተርሎንድ፡ ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ምስ ጀመረ ብወለንታ ከም ኣላይት (ተሓጋጋዚት) ሓኪም ኮይና ክትሰርሕ ከምዝጸነሐትን ትማሊ ሰንበት ድማ ብኮሮና ቫይረስ ተለኺፋ ምህላዋ ከምዝፈለጠት SVT ሓቢሩ።

ኣብ ቅድድም መሰናኽል ወናኒት 5 ወርቂ መዳልያ ዝኾነት ጓል 30 ዓመት ኢሊን፡ ጸረ ለበዳ ኮሮና ኣብ ዝግበር ዘሎ ጻዕሪ እጃማ ንኸተበርክት ሕክምናዊ ልምምድ ድሕሪ ምክትታላ፡ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ኣብ ሆስፒታል ካሮሊኒስካ ወለንተኛ ተሓጋጋዚት ኮይና ንኽትሰርሕ ምውሳና ይፍለጥ።

ገለ ሰባት ብሕማም ኮቪድ-19 ዝያዳ ካልኦት ክሳቐዩ ክትርኢ ኣንከለኻ ብጣዕሚ ይስመዓካ፡ ዘይፍትሓውነቱ ውን የነጽረልካ ክትብል ኣብ ናይ ውልቃ ናይ ኢንስተግራም ገጻት ገሊጻ።

ሓደ መሳርሕተይ ብሕማም ኮቪድ-19 ምስ ተታሕዘ ብቐጥታ መርመራ ገይረ ናብ ገዛይ ተመሊሰ። ደረቕ ሰዓልን ረስንን ምስ ተሰማዓኒ ድማ ነብሰይ ወሺበ። ሎሚ ድማ ውጽኢት ናይቲ መርመራ ኣወንታዊ ከምዝኾነ መልሲ ሰዲዶምለይ። ናብ ገዛይ ብቕልጡፍ ተመሊሰ ነብሰይ ክውሽብ ምኽኣለይ ዕድለኛ ነይረ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ኩነታተይ ብዙሕ ዘሻቕል ኣይኮነን ክትብል ኢሊን ብተወሳኺ ኣብሪሃ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com