Friday , April 26 2024

ውድብ ሕብራት ሃገራት ኣብ ሊብያ ዝርከብ መዳጎኒ ስደተኛታት ክዕጾ ጸዊዑ

ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብምሉኦም ኣብ ሊብያ ዝርከቡ ማእከላት መዳጎኒ ስደተኛታት ክዕጾ ጸዊዑ። እቲ ማእከላት፡ ስደተኛታት ንኽነብሩሉ ምቹእ ሰለዘይኮ ነዚ ጻውዒት ኣቕሪቡ።

እዚ ጻውዒት፡ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ኣብ ርእስ ከተማ ትሪፖሊ፡ ብደብዳብ ነፈርቲ 53 ስደተኛታት ምስ ተቐትሉ’ዩ እዩ ዝወጽእ ዘሎ።

ኩሎም እቶም ግዳያት ካብ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝመጽኡ ስደተኛታት ክኾኑ እንከለው፡ ካብ ጎንጽን ድኽነትን ሃዲሞም ንኤውሮጳ ክኣትው ኣብጉዕዞኦም ተታሒዞም ዝተቐየዱ እዮም።

ውድብ ሕብራት ሃገራት ነቲ ማእከላት መዳጎኒ ስደተኛታት ሊብያ ‘ዘስካሕክ’ ክብል ገሊጽዎ።

ኣብ ሊብያ፡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ስደተኛታት፡ ብመንግስቲ ኣብ ዝካየድ ማእከላት፡ ኣብ ጽንኩር ኩነታት ተታሒዞም ከም ዘለው ይፍለጥ።

እዚ ናይ ቀረባ መጥቃዕቲ ኣየርን ኣብቲ ሃገር ዝካየድ ዘሎ ውግእን፡ ነቲ ኩነታት መዳጎኒታት እንታይ ከም ዝመስል ኣቃሊዕዎ እዩ።

ላዕላዋይ ተጸዋዒ ውድብ ስደተኛታት፡ እቲ ማእከላት መዳጎኒ ስደተኛታት ብህጹጽ ክፈርስን፡ እቶም ተኣሲሮም ዘለው ስደተኛታት ካብቲ ከባቢኦም ኣብ ዘሎ ቦታ ነጻ ክፍትሑ ኣዚዙ። እቲ ትካል ነቶም ስደተኛታት ኣብ ዘለውዎ ከባቢ ክሕግዞም ምዃኑ ኣፍሊጡ።

ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ነቶም ካብ ማእከላይ ባሕሪ ዝደሓኑ ስደተኛታት፡ ናብ ሊብያ ክምለሱ ኣለዎም ንዝብል ንመምርሒታት ሕብረት ኤውሮጳ፡ ሊብያ’ውን ውሕስቲ ሃገር ዝለዘይኮነት፡ ነቲ ሕጊ ብትሪ እዩ ዝቃወሞ።

ኣብቲ ብዕለት ሰለስተ ኣብ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ መዳጎኒ ስደተኛታት፡ 120 ሰባት ከም ዝነበሩን፡ ካብኣቶም 53 ዝሞቱ፡ ደቂ ኣንስትዮን ሕጻናትን ይርክብዎም።

ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝድገፍን ብቐዳማይ ሚንስትር ፈይዘል ኣል-ሴራ ዝምራሕን መንግስቲ፡ እቲ መጥቃዕቲ ብሓይልታት ናይቲ ንትሪፓሊ ንምሓዝ ዝዋጋእ ዘሎ ጀነራል ሓፍታር ከሊፋ ዝተፈጸመ’ዩ እኳ እንተ ተባህለ፡ ሓይልታቱ ግን እቲ ኣብ ትሪፓሊ ዝመደበሩ መንግስቲ’ዩ ፈጺምዎ ክብሉ እዮም ዝኸሱ።

ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ነቲ ኣብ መዳጎኒ ስደተኛታት ታጁራ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኣየር “ናይ ኵናት ገበን” ክብል’ዩ ገሊጽዎ።

ሊብያ፡ መራሒ እታ ሃገር ዝነበረ መዓመር ቀዛፊ ኣብ 2011 ካብ ዝቕተል ንደሓር፡ ኣብ ኲናትን ዕግርግን ተሸሚማ ትርከብ።

bbc tigrinya


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com