Friday , March 29 2024
MANCHESTER, ENGLAND - FEBRUARY 12: Angel Di Maria of PSG is tackled by Nemanja Matic of Manchester United during the UEFA Champions League Round of 16 First Leg match between Manchester United and Paris Saint-Germain at Old Trafford on February 12, 2019 in Manchester, England. (Photo by Michael Steele/Getty Images)

ውድድራት ቻምፕዮን ሊግ ኤውሮጳ ሎሚ ብዝካየዱ ጸወታታት ክፍልም እዩ

ውድድራት ቻምፕዮን ሊግ ዓመተ 2020/21 ሎሚ ንዓበየቲ ክለባት ማንቸስተር ዮናይትድ ምስ ፒኤስጂ ፣ ላዝዮ ምስ ዶርትማን ከምእውን ቸልሲ ምስ ሰቪያ  ዘራኽብ ኮይኑ ተሃራፍን መሳጢ ጸወታ ክኸውን ትጽቢት ቡዝሓት ኮይኑ እሎ። ኣብዚ ኣብ መንጎ ማንቸስተር ዮናይትድ ምስ ፒኤስጂ ዝካይድ ጸወታ ብወገን ማንቸስተር ሓለቃ ጋንታ ማጉዋየር ፣ካቫኒን ማሶን ግሪንውድ ዝበኽሩ ኮይኖም ብ ወገን ፒኤስጂ ሃንዳሲ ማእክል ሜዳ ዝኾነ ቬራቲ ሓዊስካ ማውሮ ኢካርድን ኣብዚ ጸወታ ካብ ዝቦኽሩ እዮም።

ኣብዚ ናይ መጀመርያ ዙር ውድድር ካብ ምድብ 5 ሲጋብ 8 ዘለዋ ዝራኸባ ኮይነን፣ ኣቐዲመን ውድድራ ዝፍልማ ሩስያዊት ክለብ ዜነት ምስ ክለብ ብሩዥ ከምእውን  ዩክረናዊት ዳይናሞ ኬቭ ምስ ጁቨንቱስ እየን።

ድሕረን ውድድራተን ካብ ዘካይዳ ድማ  ሬነስ ምስ ክራስኖር፣ ባርሰሎና ምስ ሃንጋራዊት ክለብ ኤፍ ቲ ሲ ከምእውን ኣር ፒ ለፕዚግ ምስ ቱርካዊት ኢስታንፑል ባሻክቲር ክኾና እውየን።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com