Saturday , April 20 2024

ውድድር ኩዕሶ እግሪ ሽወደን ንገለ ዝያዳ ሳምንታት ክጽበ እዩ።

ሰብ ሞያ ንተጻወትቲ ቀጠልያ መብራህቲ ክሳብ ዝህብዎም ናይ 2020 ወቕታዊ ጸወታታት ንገለ ሳምንታት ክውዘፍ ከም ዝኽእል ተገሊጹ። ወቕታዊ ጸወታ ኲዕሶ እግሪ ሽወደን ኣብ ወርሓ ሚያዝያ ዝጅመር እኳ እንተነበረ ብምኽንያት ሕማም ኮሮና ተደንጒዩ ምህላዉን ምናልባት ኣብ መፋርቕ ሰነ ( 14 ሰነ ) ክጅመር ከም ዝኽእል ይግለጽ ኣሎ። እዚ እናኾነ ተጻወትቲ ካብ ልምምድ ኣየቋረጹን። ከምኒ ጀርመንን ዴንማርክን ዝበላ ካልኦት ሃገራት ኣውሮጳ ጋንታታት ኲዕሶ እግሪ ኣብ ወቕቲ ሳመር ዝጻወትሉ ዕለታት ረቚሐን ምህላወን ድማ ተመልኪቱ። ማሕበር ኲዕሶ እግሪ ሽወደን ምእካብ ሰባት ብዝተሓተ ደረጃኡ ዘጠቓልል ጸወታ ከአንግዱ ከም ዝኽእል ክገልጽ ምጽንሑ ይፍለጥ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com