Wednesday , April 24 2024

ዓለም ቀስ ብቐስ ክትክፈት ትጅምር ኣላ ተባሂሉ።

ምስ ምጅማር እዛ ሒዝናያ ዘሎና ሰሙን ለበዳ ኮሮና ንምዕጋት ተባሂሉ ክትግበር ዝጸንሐ እገዳታት ቀስ እናበለ ይዘልቕ ምህላዉ ይግለጽ ኣሎ። ከም መርኣያ ናይዚ ምዝላቕ ኣብ መብዛሕትኡ ክፍላት ኢጣልያ ማእከላት ስፖርትን መሕጸብ ሰብነትን ይኽፈት ኣሎ ክትብል ኣገልግሎት ዜና ኣንሳ ሓቢራ። ይዂንምበር ለበዳ እቲ ሕማም ምኽንያት ብምግባር እዘን ትካላት ሕጂ’ውን ጥቡቕ መምርሒታት ክኽተላ ከም ዘለወን ተሓቢሩወን ኣሎ።

ንኣብነት ሓምበስቲ ኣብ መንጐኦም ናይ ክልተ ሜትሮ ርሕቀት ክሕልዉን በዚ መምርሒ መሰረት ብዝሒ ተገልገልቲ ከአንግዳን ክግበር እዩ። ኣብታ ኣዝያ እተጠቕዐት ክፋል ጣልያን ዝኾነት ሎምባርዲ ግና ጂምን ማእከላት መሐንበሲን ክሳብ ዝመጽእ ሰሙን ከይተኸፍቱ ክጸንሑ እዮም ተባሂሉ’ሎ። ኣብ ጀርመን ባቡራት ምንቅስቓስ ከም ዝጅምራ ንዝርዝራት እዚ ኣገባብ ሓዱሽ መምርሒ ክህብ ምዃኑ ኣብ ግዜጣዊ ዋዕላ ተገሊጹ’ሎ። ብዘይካዚ ኣየኖት ባቡራት ድሮ ብሰብ ከም ዝመልኣን ካልእን ዝሕብር ናይ መወዓውዒ ኣብሊከሽን ክዳሎ ምዃኑ ደር ስፒገል ሓቢሩ። ብኻልእ መዳይ ኣብ ህንዲ ድሕሪ ናይ ክልተ ኣዋርሕ እገዳ ኣየር ትራፊክ ክጅመር ምዃኑ ዘ ታይምስ ኦቭ ኢንዲያ ሓቢራ። እታ ፈላሚት በረራ ካብ ደልሂ ናብ ፑኒ ኮይና ሎሚ ሰዓት 4፡45 ክትፍልም እያ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com